Radio Erena: 30 July 2019
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንወ/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም፣ ብደረጃ ኣምባሳደር፣ ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ከተገልግል ከምዝመዘዛ ዲፕሎማሳውያን ወገናት ሓቢሮም።
ኣምባሳደር ግርም ኣስመሮም ኣብ ጥምቅቲ 2016 ድሕሪ ምሟቱ፣ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንሰለስተ ዓመታት ኣምባሳደር ከይተመደበሉ’ዩ ጸኒሑ።
ኣባል እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ፣ ኣማኑኤል ጆርጆ ብደረጃ ኣካያዲ ስራሕ ነቲ ቦታ ተኪእዎ ከምዝጸንሐ እቶም ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።
እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፣ ኣብ ትጽቢት ሰራሕተኛታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዘይጸንሐት፣ ዕልልቲ ደጋፊቱን፣ ኣባል ምትእኽኽባ ህግደፍ ሰሜን ኣመሪካ ንዝኾነትን ወ/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያም፣ ብደረጃ ኣምባሳደር ነቲ ቀዋሚ ወኪል ክትመርሕ ሸይሙዋ ኣሎ።
ኣብ ዲፕሎማሲ ተሞክሮ ዘይጸንሓ ወ/ሮ ሶፍያ፣ ናይ ኣመሪካ ዜግነት ዘለዋ ክነሳ፣ ብደረጃ ኣምባሳደር፣ ንኤርትራ ክትውክል ትኽእል ዶ? ኣብ ዝብል ነጥቢ’ውን ካልእ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ’ዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንኤምባሲታት ምሉእ ኣምባሳደር ከይመደበለን ንሓያሎ ዓመታት ክጸንሐ እዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ፈለማ ኣይኮነን።
ንኤምባሲታት ጥራይ ዘይኮነ፣ ድሕሪ ሞት ሚኒስተር ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ኣብ ነሓሰ 2005’ውን፣ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ንክልተ ዓመታት ሚኒስተር ከይመደበሉ ድሕሪ ምጽናሕ ንዑስማን ሳልሕ ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምዘሰጋገሮ ኣይርሳዕን።
ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ድሕሪ ምእላዩ፣ እቲ ሚኒስትሪ ነዚ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ብዘይ ሚኒስተር ከምዘሎ ይፍለጥ።
========================