ዕስለ ኣንበጣ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከጥቅዕ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ቀሪቡ

Radio Erena: 30 July 2019

ኣብ እዋን ክራማት ዝጸፈየ እንቋቆሖ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ኤርትር ኣብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከጋጥም ከምዝኽእል ውድብ መግብን ሕርሻን ኣጠንቂቑ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ፣ ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣንበጣ ክርኣየለን ይእኽእል’ዩ ኢሉ ዘርዚርወን ዘሎ ሃገራት፣- ኤርትራ፣ የመን፣ ሱዳን፣ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያን ሶማልያን’የን።

መጥቃዕቲ ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ሕርሻ እዘን ሃገራት ከቢድ ዕንወት ከምጽእ ስለዝኽእል፣ እዘን ሃገራት ምስ ውድብ መግብን ሕርሻን ብምትሕብባር ንምምካቱ ቅድመ ምድላዋት ክገብራ’ውን ጸዊዑ።

ክሳብ 10 ሚልዮን ብዝሒ ዘለዎ ዕስለ ኣንበጣ፣ ብንፋስ እናተሓገዘ ክሳብ 150 ኪሎሜተር ብምጓዓዝ ከጥዕቅዕ ይኽእል።

ሓንቲ ኣነስተይቲ ኣንበጣ፣ ክሳብ 300 እንቋቁሖ ከምእተጫጭሕ ዘመልከቱ ክኢላታት፣ ሓደ ኣንበጣ፣ መዓልታዊ ክንዲ ግዝፉ ክበልዕ ይኽእል።

10 ሚልዮን ብዝሒ ዘለዎ ዕስለ ኣንበጣ ድማ ሕርሻ ሃገር ከብርስ ዝኽእል ዕቱብ ምቁጽጻርን ምንጻግ መድሃኒታትን ክካየደሉ ከምዘድሊ እቶም ክኢላታት የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0