ሱዳን፣ ፈተነ ዕልዋ ኣካይዱ ዝተባህለ ጀነራል ተኣሲሩ

Radio Erena: 25 July 2019

ኣብ ሱዳን፣ ፈተነ ዕልዋ ኣካይዶም ዝተባህሎም፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ጀነራል ሓሺም ዓብደል ሙጣሊብ ኣሕመድ ዝርከቦም ውትሃደራውያን መኮናት ከምዝተኣስሩ ወትሃደራዊ ባይቶ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ 11 ሓምለ ተኻይዱ ዝተባህለ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕልዋ፣ ብዘይካ ኣባላት ሰራዊትን ሃገራዊ ድሕነትን፣ መራሕቲ እስላማዊ ምንቅስቓሳትን ኣባላት ሰልፊ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ነበረን’ውን ከምዝተሳተፉ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ንመግለጺ እቲ ወትሃደራዊ ባይቶ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ክልተ ቅነ ድሕሪ’ቲ ተኻይዱ ዝተባህለ ፈተነ ዕልዋ’ዩ ወግዓዊ መግለጺን ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብቲ ዕልዋ ተኣኣቲፎም ዝበሎም ሰባትን ዘውጽእ ዘሎ።

ንሱዳን ን30 ዓመታት ዝመርሐ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብህዝባዊ ናዕቢ ድሕሪ ምእላዩ፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ንምሓዝ እኳ እንተተጋየየ፣ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ብሓባር ብዝወደብዎ ህዝባዊ ተቓውሞ ግና ፣ እቲ ጉጅለ፣ ብምርጫ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝትከል፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝተዋጽአ ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም ክሰማማዕ ተገዲዱ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኣብዚ ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ግዝያዊ መሰጋገሪ መድረኽ፣ ሱዳን፣ ከም ዝቐደምን ከም ጎረባብታን ናብ ወትሃደራዊ ምልኪ ዶ ወይስ ናብ ጎደና ደሞክራሲ ክትስጉም’ያ ዘተኣማምን ኩነታት ከምዘየለ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር የረድኡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0