ሱዳን፣ እማመ ሰላም ኢትዮጵያ ብክልቲኦም ወገናት ተቐባልነት ረኺቡ

Radio Erena: 23 June 2019
መራሕቲ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ እማመ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቐበሉዎ ኣፍሊጦም።

መራሕቲ ምንቅስቓስ ንናጽነትን ለውጥን ብ22 ሰነ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ እማመ፣ ምስቲ ኣቐዲምና ከነቕርቦ ዝጸናሕና ጠለብ ዝሳነ ብምዃኑ ተቐቢልናዮ ኣለና ኢሎም። ብመሰረት እቲ ዝቐረበ እማመ 15 ዝኣባላታ ብሲቪላውያን ዝቖመት ጉጅለ ናይ መሰጋገሪ እዋን ክትሕዝ እያ።

ንህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ጨውዩ ስልጣን ኣብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ክጸንሕ ዝጠለበን፣ ነቲ ናዕቢ ክመርሑ ዝጸንሑ ልፍንቲ ተቓወምትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፣ ድሕሪ’ቲ ህይወት ልዕሊ 100 ሰባት ዝወሰደ ፍጻሜ ኣብ ከቢድ ወጥሪ እዮም ጸኒሖም።

ሓደ ካብቶም መራሕቲ ተቓውሞ ኣምጃድ ፋሪድ ብወገኑ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፣ ስልጣን ዝርከብ ቆንስል ብሸሞንተ ሲቪላውያንን ሸውዓት ወተሃደራውያንን ውልቀሰባት ክቐውም ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ክመርሕ ከምኡ’ውን ካብ 300 መናብር ባይቶ፣ ሰለስተ ርብዒ ክውንን እዩ መዲቡ ኔሩ።

ናይቲ ህይወት 128 ሰልፈኛታት ዝወሰደ ፍጻሜ ግና ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0