ኣብ ኣስመራ ክሽየጥ ዝጸንሐ ዕሹግ ማይ ተኸልኪሉ

Radio Erena: 16 June 2019

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ክሽየጥ ዝጸንሐ ዕሹግ ማይ፣ ደው ከምዘበሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እተን ዕሹግ ማይ መስሪሐን ከካፋፍላ ዝጸንሓ ትካላት ምህርተን ደው ከብላ ትእዛዝ እኳ እንተተዋህበን፣ ዝቐረበለን ወግዓዊ ምኽንያት ግን የለን።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ሕጽረት ማይ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፣ ወነንቲ’ዘን ትካላት ምስ ገለ ሰበስልጣን ተሰማሚዖም ብፍሉይ መስመር ማይ ብሓለፋ ክወሃቦም ስለዝጸንሐ መንግስቲ ምጽራይ ክሳብ ዝገብረሉ’ዩ ዝብል ወረ ብሰፊሑ ይዝረበሉ ከምዘሎ’ዮም ምንጭታትና ዘመልክቱ።

እንተኾነ ብሕጽረት ኣገልግሎት ቀረብ ማይ ድሮ ተጠቂዐን ዝጸንሓ ከተማታት ኤርትራ እዚ ብልምዲ ማይ ሳሓ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀረብ ዝስተ ማይ ብምእጋዱ፣ ተወሳኺ ጸገም ፈጢሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ንጠለብ ኣገልግሎት ማይን ኤለክትሪክን ህዝቢ ከዕግብ ኩሉ ግዜ ዝጽገም እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ገለ እዋናት ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ እውን ከም መሳርሒ ፖለቲካ ከምዝጥቀመሉ ይፍለጥ።