ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ዓመትን መንፈቕን፣ 3.2 ሚልዮን ወጻእተኛታት ኣሲራ

Radio Erena: 05 June 2019

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዚ ዓመትን መንፈቕን፣ ምስ ጉዳይ ኢምግሬሽን ሕጊ ዕዮን ብዝተሓሓዝ 3.2 ሚልዮን ወጻእተኛታት ከምዝኣሰረት ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ሕጊ፣ ካብ ሕዳር 2017 ኣትሒዙ 3.24 ሚልዮን ወጻእተኛታት ክትኣስር እንከላ፣ እቶም 2.5 ሚልዮን ንጉዳይ ሕጋዊ መንበሪ ዝጠሓሱ’ዮም።

እታ ሃገር፣ ነቶም ፍርቂ ሚልዮን ሕግታት ዕዮ ዝጠሓሱ’ዮም ክትብሎም እንከላ ነቶም ዝተረፉ ልዕሊ 200 ሽሕ ብዘይሕጋዊ ምስጋር ዶባት ዝተታሕዙ’ዮም።

ብዘይካ’ዚ ኣስታት ፍርቂ ካብኣቶም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ 54 ሽሕ ወጻእተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስዑዲ ካብ ምእታው ከምዝገትአት እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተዋፊሮም ዝተባህሉ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት’ውን ተኣሲሮም። 1300 ካብኣቶም ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ’ዮም።

ዛጊት ልዕሊ 81 ሽሕ ወጻእተኛታት ነናብ ዓዶም ክስጎጉ እንከለዉ፣ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከኣ ኣብ መስርሕ ምስጓግ ኣለዉ።

ናይ ማእሰርቲ ግዜኦም ዘይወድኡ፣ 1779 ደቂንስትዮ ዘለውኦም 10,661 ወጻእተኛታት ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ መሰል ደቂ ሰብ፣ ብፍላይ ድማ መሰል ስደተኛታት ካብ ዘየኽብራ ሃገራት ዓለም፣ ምስ ቀዳሞት’ያ ትስራዕ።

ሓድሽ ሕጊ ወጻእተኛታት እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ 2017 ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓሉ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ስድራቤታቶም ናብ ግብጽን ሱዳንን ኣስጊሮም’ዮም።

 

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0