ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት 74 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት 74 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: June 04, 2014

Alshaኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት 74 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ንምንጭታታ ብምጥቃስ ገሊጻ።

እቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቁሸት ኣቶ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ብሓባር ኣንጻር ዕጡቓት ኣልሸባብ ድሕሪ ዝኸፈትዎ መጥቃዕ’ዩ ተወሊዑ።

ምክትል ኣምሓዳሪ ናይዚ ዞባ ኢብራሂም ሉግቡር ንሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ብምሉኦም ዕጡቃት ኣልሸባብ ምዃኖም እኳ እንተሓበረ፣ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ግና ኣይከኣለን።

 

ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን፣ ጅቡቲ፣ ርዋንዳ፣ ብሩንድን ሰራልዮንን ዝተዋጽኢ ሰራዊት ኣብ ሶማል ብዘካይዶ ዘሎ ወትሃደራዊ ስርሒታት፣ ኣልሸባብ ሓያሎ ከተማታት ክለቕቕ እኳ እንተተገደደ፣ ኣብ ብዙሕ ክፋል ቁሸታት ዓስኪሩ ከምዘሎ’ዩ ዝንግረሉ።

ኣብተን ኣብ ሶማል ሰራዊተን ኣዋፊረን ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ተደጋጋሚ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘካይድ ዘሎ ኣልሸባብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ’ዩ ዘጠንቕቕ።

እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ዶባ እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊት ስርሒት’ውን ንኣልሸባብ ካብ ከባቢእ ንምርሓቕ ዝዓለመ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ኣልሸባብ ኣቐዲሙ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ከባቢ ኣብ ዘካየዶ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ፣ 30 ወትሃደራውት ኢትዮጵያን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ከምዝተቐትሉ ምክትል ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ንሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ ኣፍሊጡ።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0