ህንዲ፣ ኣብ ገማግም ታንዛንያ ኣብ እተካይዶ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፣ ኤርትራ ንእትርከብን ሃገራት ክሳተፋ ዓዲማ

RADIO ERENA – Thursday, 27 March 2025

መራኽብ ኵናት ህንዲ፣ ካብ 05 ሚያዝያ ክሳብ 08 ግንቦት፣ ኣትሒዘን፣ ንኣስታት ሓደ ወርሒ፣ ኣብ ክሊ ህንዳዊ ውቅያኖስ ናብ ዝርከባ ሓያሎ ሃገራት ዑደት ከካይዳ ምዃነን፣ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ፣ ምትሕግጋዝ ኣብ ዞባ ህንዳዊ ውቅያንስ ዝርከባ ሃገራት ንምሕያል ዓሊሙ ዘካይዶ ወፍሪ፣ ትሽዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፍኦ ምዃነን፣ ምክትል ኣድሚራል፣ ታሩን ሶብቲ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

ኣብቲ መራኽብ ህንዲ ዝዕብልልኦ ወፍሪ፣ ካብ ኬንያ፣ ታንዛንያ፣ ኮሞሮስ፣ ሞውሪሽየስ፣ ሞዛምቢክ፣ ሲሸልስ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ማዳጋስካር፣ ማልዲቪስን ሲሪላንካን ዝተወከሉ 44 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ክጽንበርወንዮም።

ሱናያብዝተባህለት መረክብ ዝምራሕ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ፣ ኣብዚ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዘካይድኦ ወፍሪ፣ ዳር ኤ ሰላም ናይ ታንዛንያን ፖርት ሊውስ ናይ ሞውሪሽየስ ናብ ዝርከብአን ወደባት ክጽግዓየን።

ኣብ ርእሲዚ ህንዲ፣ ኣይከይመሓድነት ዝትርጉሙ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ህንድን ኣፍሪቃን፣ ኣብ ክሊ ማይ ታንዛንያን ከተካይድ መዲባ ኣላ።

ኣብዚ፣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ፣ ንሽዱሽተ መዓልታት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሓባራዊ ልምምድ፣ ብሚኒስተር ምክልኻል ህንዲ፣ ራጅናት ሲንግ ብወግዒ ኣብ ዝጅምረሉ፣ ወከልቲ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ኬንያ፣ ኮሞሮስ፣ ማዳጋስካር፣ ሞውሪስየስ፣ ሲሸልስ፣ ሞዛምቢክን ደቡብ ኣፍሪቃን ክሳተፉ ዕድመ ቀሪብሎም ኣሎ።

እቲ ልምምድ፣ ኣብ ምልውዋውጥ ሓበሬታ ኣብ ባሕሪ፣ ምግታእ ተኽእሎታት ቀርሰና ወይ ሽፍትነት ባሕሪ፣ ድሕነት ባሕረኛታትን ዘተኮረዩ።

ኤርትራ፣ ኣብዚ ብመራኽብ ህንዲ ተመሪሑ ዝካየድ ሓባራዊ ልምምድ ክትሳተፍ ምዃና ኣየረጋገጸተን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0