20 ሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ተዘኪሩ

RADIO ERENA – Wednesday, 20 June 2024
20 ሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት፣ ‘ምድግጋፍ ምስ ስደተኛታት’ ብዝብል ቴማ ተዘኪሩ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ብምኽንያት እዛ ዕለት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ምስ ስደተኛታት ምትሕግጋዝ፣ ተስፋ ምሃብ፣ ናይ ስራሕ፣ ትምህርቲን ካልእን ዕድላት ምፍጣርን ተሰዲዶም ምስ ዝነበሩሉ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ምስራሕን ወሳኒ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ተመዛቢሎም ናይ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት ኣስታት 120 ሚልዮን በጺሑ ከምዘሎ ዘመልከተ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን፣ ብሰንኪ ግጭትን ካልእን ካብ ቤቶም ንዝተሰደዱ ክንሕግዝ ድሉዋት ክንከውን ኣለና ኢሉ።
ካብዚ ኣሃዝ እዚ፣ እቲ ልዕሊ 30 ሚልዮን ህዝቢ፣ ካብ ገዛእ ሃገሩ ተፈናቒሉ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ዝሓተተ’ዩ።
ብሰንኪ ግጭት፣ ደርቂን፣ ስእነት ደሞክራሲ፣ ምልኪ፣ ዘይብቁዕ ምሕደራ፣ ትምህርቲን ቁጠባዊ ዕድላትን ንምንዳይን ካልእ ሰብ ዘምጽኦን ባህርያዊን ሓደጋታት፣ ካብ ቤት ንብረቱ ናይ ዝመዛበል ዘሎ ብዝሒ ዓለም ዓመታዊ ብሚልዮናት ይውስኽ ከምዘሎ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን የመልክት።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0