ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ዕልዋ ስልጣን ከምዘፍሸለ ገሊጹ

Radio Erena: 14 July 2019

ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ዕልዋ ስልጣን ክካየድ ተፈቲኑ ከምዘፍሸሎ ገሊጹ።
ሓላፊ ጸጥታ’ቲ ጉጅለ ጀማል ዑመር ኢብራሂም ኣብ ተለቪዥን’ታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሓሙሽተ ጥሮታ ዝወጹ ዝርከብዎም ወተሃደራውያን ሓለፍቲን ኣባላት ጸጥታን ፍሹል ፈተነ ዕልዋ ከምዘካየዱ ሓቢሩ።
መንነት ናይቶም ዕልዋ ፈቲኖም ዝተባህሉ ብወግዒ እኳ እንተዘይተገልጸ፣ 12 ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ወሃብ ቃል ሰራዊት ዑመር ኢብራሂም ገሊጹ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ነቲ ዕልዋ ከካዪዱ ዝሃቀኑሉ ምኽንያት፣ በዚ ምስ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ተበጺሑ ዘሎ ስልጣን ናይ ምምቕራሕ ስምምዕ ስለዘይዓገቡ ሙዃኖም ሓቢሩ።
ኣቐድም ኣቢሉ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ንሓንሳብ ብእስላማውያን ጥሩፋት፣ ካልእ እዋን ከኣ ብዝኮረዩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ፈተነ ዕልዋ ክካየድ ይሕሰብ ኣሎ ክብል መግለጺታት ክህብ ጸኒሑ’ዩ።
እንተኾነ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣትያ ስለዘላ፣ ናጻ ማዕከናት ዜና እውን ገና ስለዘይተፈቕደ፣ እቲ ጉጅለ ኮነ ኢሉ ክኣልዮም ንዝደለየ ሰባት የጥቅዕ ከይህሉ ስግኣት ኣሎ ክብሉ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ስክፍታኦም ይገልጹ።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0