RADIO ERENA – Monday, 03 June 2024
ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከብዎም 10ታት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎ ዋዕላ ደቡብ ኮርያን ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ሶል ይካየድ ኣሎ።
እቲ ብሰኑይ 03 ሰነ ጀሚሩ ሎሚ ሰሉስ፡ 04 ሰነ ዝዛዘም ዋዕላ፡ ኣብ ንግዲን ወፍሪን ብምትኳር ይዝቲ ምህላዉ‘ዩ ተሓቢሩ።
ደቡብ ኮርያ፡ ዕዳጋታታን እተካይዶ ኣህጉራዊ ወፍሪን፡ ንኣፍሪቃ‘ውን ክሓቚፍ ከምዘለዎ ስለእትኣምን፡ ምስዛ ኣህጉር ኣብ ሽርክና ዝተመርኮሰ ዝምድና ከተደልድል ከምእትደሊ ‘ዩ ዘመልክት መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኮርያ።
ናብ ኣፍሪቃ ዝቐንዐ ተደጋጋሚ ዋዕላታት ሃገራትን ዞባታትን ዝንገድ እኳ እንተኾነ፡ እዛ ብምዕባለ ድሕሪት ተሪፋ ዘላ ኣህጉር ካብቲ ዝካየድ ዋዕላታት ውሕስነት ዘለዎ ረብሓታት ከምዘይትረኽበሉ‘ዩ ዝትንተን።
ዋዕላ ኣመሪካን ኣፍሪቃን፡ ዋዕላን ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን፡ ዋዕላ ቻይናን ኣፍሪቃን፡ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን፡ ዋዕላ ቱርኪን ኣፍሪቃን፡ ዋዕላ ፈረንሳን ኣፍሪቃን፡ ዋዕላ ኢጣልያን ኣፍሪቃን፡ ዋዕላ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ዝተኻየደ ኣብነታት‘ዩ።
ሃገራትን ዞባታትን፡ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ጥረ ነገራት እናጓረታን ብዙሕ ክፋል ናይ ወጻኢ ዕዳጋታተን ናብኣ እናቐንዐን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብኣንጻሩ ድኽነትን ድሕረትን ከወግዳን ናብ ምዕባለ ክግስግሳን ኣይረኣያን‘የን።
ዘይምሩይ ግሎባዊ ፖሊሲታት ንግዲ፡ ቁጠባ፡ ፊናንስን ልቓሕን ከም ቀንዲ ጠንቕታት እቲ ንኣፍሪቃ ሓኒቑ ሒዙዋ ዘሎ ብድሆታት ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፡ ዘይብቁዕ ምሕደራ፡ ን10ታት ዓመታት ዝሰረተ ምልኪ፡ ዘይውሕሱ ምስግጋር ስልጣን መንግስታት፡ ተኸታታሊ ወትሃደራዊ ዕልዋታትን ግኑን ብልሽውናን ‘ውን ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ ድሕረት እዛ ኣህጉር እጃሙ ከምዘበርክት ተንተንቲ የረድኡ።
==================
COMMENTS