ፖርት ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሚሊሻታት ቤጃን ግጭት ተኻይዱ

Radio Erena: Wednesday, 20 September 2023

ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሚሊሻታት ቤጃን ግጭት ከምዝተኻየደ መርበባት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

እቲ ብ18 መስከረም ዝተወልዐ ግጭት፣ ኣብ ሰብን ይኹን ንብረት ዘብጽሖ ጉድኣት ኣይተጠቐሰን።

መበገሲ እቲ ግጭት’ውን ኣይተነጸረን።

ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን ኣብ 15 ሚያዝያ ኣብ ካርቱም ካብ ኵናት ሓድሕድ ካብ ዝወልዕሉ ግዜ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ ኣብ ፖርት ሱዳን ግጭት ዝልዓል ዘሎ።

ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ግጭት ሰራዊት መንግስቲን ሚሊሻታት ቤጃን ከምዝተወልዐ ዝንገር ዘሎ፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪን ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን፣ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ናብታ ከተማ ካብ ዝግዕዝ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ’ዩ።

እቲ ጀነራል፣ ኣብታ ከተማ መንግስቲ ክምስረት ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ይእምቱ።

ዝበዝሐ ክፋል ካርቱም ተቖጻጺሩ ከምዘሎ ዝንገረሉ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ብወገኑ፣ ኣድላዩ እንተኾይኑ ናብ ፖርት ሱዳን’ውን ክኣትዉ ከምዝኽእሉ’ዩ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን መንግስቲ ናይ ምቛም ስጉምቲ እንተወሲዱ፣ ንሱ ብወገኑ ኣብ ካርቱም ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ኣጠንቂቑ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0