ፖሊስ ሽወደን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ክኽሰት ንዝኽእል ዕግርግር ንምክልኻል ተወሳኺ ምድላዋት ይገብር

RADIO ERENA – Tuesday , 23 July 2024

ፖሊስ ሽወደን ካብ 25 ክሳብ 28 ሓምለ ኣብ ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ክኽሰት ንዝኽእል ባእስን ዕግርግርን ንምክልኻል ናይ ትሪኮላታ ሓጹርን ካልእ ነገራት ሓዊስካ ተዳልዩ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ጃርቫ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ውን ን50 ሰባት ዝኸውን ግዝያዊ ማእሰርቲ ተዳልዩ ከም ዘሎ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኦላ ኦስተርሊንግ ካብ ፖሊስ ሽወደን ገሊጹ።

ፖሊስ ቁጽሪ ኣብ ሓላዋ ዝዋፈሩ ሰባት ወሲኹን ካልእ ንህዝቢ ዘይገለጾ ሜላታት ኣተኣታትዩን ድሕነት ተሳተፍቲ እቲ ፈስቲቫል ንምውሓስን ንብረት ህዝቢ ካብ ዕንወት ንምክልኻል ተዳልዩ ከም ዘሎ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ዓሚ ሓሙስ 3 ነሓሰ 2023ብህግደፍ ዝተወደበ ፈስቲቫል ስካንዲናቭያን ኣብ ዝጀመረሉ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብዘካየዱዎ ተቓውሞ ኣብ ዝተፈጥረ ሕንፍሽፍሽ፣ ብውሑዱ 7 ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና ሽወደን ገሊጸን ኔረን።

ፖሊስ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንሓደ ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ፍቓድ ምሃቡ፣ እንተኾነ ኣብ ከባቢ ሰዓት 5 እቶም ሰልፈኛታት ናብቲ ቀጽሪ ጥሒሶም ብምእታው ብኣእማንን ኣባትርን መጥቃዕቲ ምጅማሮም ገሊጹ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ሎሚ ዓመት ሓሙስ 25 ሓምለ ዝጅምር ፈስቲቫል ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ተመሳሳሊ ህውከት ከይፍጠር ፖሊስ ውሑስ ገይርዎ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ፣ ዓመት መጸ ብደገፍቲ’ቲ ስርዓት ዝካየድ እኳ እንተኾነ፣ ካብዚ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝብል ምትእኽኻብ መንእሰያት ዝጅምር ንደሓር፣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተቓውሞ ገጢሙዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0