ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ንሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣናትን ካብ መዝነቶም ሰጕጉ

RADIO ERENA – Wednesday, 11 December 2024

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫ ኪር ሚያርዲት፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ጀነራል ሳንቲኖ ደንግ ዎል ካብ ስልጣኑ ከምዝኣለዮ፣ መንግስታዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ንጀነራል ሳንቲኖ ደንግ ዎል ብምስጓግ፣ መዝነቱ ብጀነራል ፖል ናንግ ማጆክ ተኪእዎ።

ንምክትል ሚኒስተር ምክልኻል፣ ጀነራል ኣታክ ናቲኖ ማጃክ ዝሰጎገ እቲ ፕረዚደንት፣ ካብ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ንዘሰናበቶ ጀነራል ዎል፣ ኣብ ክንድኡ ሸይምዎ።

ንሱ ብዘይካዚ፣ ንኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር፣ ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር ካብ ስልጣኑ ብምልዓል፣ ብጀነራል ኣብራሃም ፒተር ማንዩት ተኪእዎ ከምዘሎ፣ እቲ 09 ታሕሳስ ተዘርግሐ መግለጺ ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ብዘይካ ኣብ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብ ኣመሓደርትን ሰበ ስልጣናትን ውን ምቅይያራት ከምዝገበረ ዝሓበረ መርበባት ዜና እታ እታ ሃገር፣ ንኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ደቡብ ሱዳን፣ ጄምስ ኣሊክ ጋርንግ ኣሊክ ብምብርራር፣ ኣብ ክንድኡ ንጆኒ ኦሂሻ ዳሜን ከምዘምጽኦ ኣመልኪተን።

ኣብ ጸጥታውን ቁጠባውን ዘይርግኣት እትርከብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ከተካይዱ ተሓሲቡ ዝነበረ ፋልማይ ሃገራዊ፣ ብክልተ ዓመታት ከምዝተናውሐ ይፍለጥ።

ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ሱዳን ካብ ዝተፈልየትሉ ኣብ 2011 ኣትሒዙ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዘሎ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ምስ ስግኣት ዕልዋን ጸጥታን ከምኡ ድማ ብልሽውና ብዝተሓሓዝ፣ ተደጋጋሚ እዋን ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣመሓደርቲ ሃገራዊ ባንክ፣ ሰበ ስልጣናታን ክሰጉግ ተራእዩዩ።

እዚ ኣብዚ ሳልስቲዚ ዝተገብረ ምስጓግ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ዝርከቦ ምቅይያራት፣ ዘበገሶ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0