‘ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘለዎ ራእይ ዝነኣድ’ዩ’ ሚናዊ – ኣማሓዳሪ ዳርፉር

RADIO ERENA – Wednesday, 19 March 2025

ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘለዎ ራእይ ዝንኣድ ምዃኑ፣ ኣምሓዳሪ ዞባ ዳርፉር፣ ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ ገሊጹ።

ንሱ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፣ ብ15 መጋቢት፣ ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ኣብ ናይ ሱዳንን ከባቢኣን ጉዳያት ከምዝተመያየጡ ጠቒሱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘለዎ ራእይን ኣፍልጦን ካብ ናይ ገሊኦም ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ዝዓሞቐዩ ዝበለ ሚናዊ፣ መሪሕነት ሱዳን ንምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ ምግታእ ወሳኒ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዘዘኻኸሮዩ ሓቢሩ።

ጉዳይ ሱዳን ብሰንኪ ምትእትታው ረብሓ ዘለዎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት እናበኣሰ ከምዝመጽአ ዝገለጸ ኣማሓዳሪ ዳርፉር፣ ንጹር ሃገራዊ ራእይ ዘለዎ መሪሕነት ከምዘድሊ ኣስሚርሉ።

ሓይልታቱ ኣብ ኤርትራ ከምዝሰልጠኑን ይስልጥኑ ከምዘለዎን ዝንገረሉ ሚኒ ሚናዊ፣ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ዘሎ፣ ሰራዊት ሱዳን ንከተማ ካርቱም ምሉእ ብምሉእ ክቖጻጸራ ኣብ ዝተቓረበሉ እዋንዩ።

ካብ ካርቱም ከባቢኣን ዝድፋእ ዘሎ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ፣ ኣብ ዳርፉር ቀንዲ ደጀኑ ክገብር ከምዝኽእል ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይእምቱ።

ብዝሒ ሚሊሻታት ዝውንን ሚኒ ሚናዊ፣ ድሕሪ ስምምዕ ጁባ ኣብ 2018፡ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝተጸንበረ ኮይኑ፣ ኣብ 2021 ድማ ብወግዒ ኣማሓዳሪ መላእ ዞባ ዳርፉር ተሸይሙ።

ካብ 2003 ኣትሒዙ ብናይ ቀቢላን ካልእን ረጽምታት ክሕመስ ዝጸንሐ ዞባ ዳርፉር ኣብ እዚ እዋንዚ፣ ሰራዊት መንግስቲ፣ ሚሊሻታት ናይ ዝተፈላለዩ ቀቢላታትን ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕን ሓያል ግጭት ዘካይድሉ ዓውደ ኵናት ኮይከውን ይስጋእ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0