RADIO ERENA – Tuesday, 18 February 2025
ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተፈጢሩ ንዘሎ ምግምማዕ ተጠቒሙ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኵናት ንምውላዕ ይሓስብ ኣሎ ክብል ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር፣ ኣቶ ሙላቱ ተሾመ ውቒሱ።
ንሱ፣ ኣብ ናይ ኣልጀዚራ ብሎግ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፣ ኣብ ሰሚን ኢትዮጵያ ንዝተፈጥረ ኵናት ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ብምእታው ብዙሕ ዕንወት ከምዘውርደ ኣዘኻኺሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ሕጂ‘ውን ጸቕጢ ብምፍጣር፣ ኣብ ፕሪቶርያ ንዝተኸተመ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንኽፈርስን ኵናት ክቕጽልን ድሌት ከምዘለዎ‘ዩ እቲ ፕረዚደንት ነበር ጠቒሱ።
ኣብ ርእሲ‘ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሚሊሻታት ኣምሓራ የዕኩኽ ምህላዉ ዝዘርዘረ ኣቶ ሙላቱ፣ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቓወም ወገን ህወሓት ኣብ ጎኑ ንምስላፍ ‘ውን ይሰርሕ ከምዘሎ ተንቲኑ።
ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቃወም ወገን ህወሓት፣ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምፍራስ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ሙላቶ ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ወገን ነቒፉ።
ነቲ ስምምዕ ንምፍራስ ንዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ከም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ወገናት ኩሎም ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ክግበረሎም ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ኣብ መወዳእታ ተላብዩ።
ካብ 2013 ክሳብ 2018 ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝነበረ፣ ኣቶ ሙላቶ ተሾመ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ከምዝተኣልየ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ‘ውን ከም ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ይጥቀስ‘ዩ።
==================
COMMENTS