ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ምንቅስቓሳት ምብራቕ ሱዳን ኣብ ድሕነት ሱዳን ክዋስኣ ደገፉ ገሊጹ

RADIO ERENA – Wednesday, 13 November 2024

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ምንቅስቓሳት ምብራቕ ሱዳን ኣብ ድሕነት ሱዳን ክዋስኣ ደገፉ ከምዝገለጸለን ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ዋና ጸሓፊ ስሙር ግንባር ንሓርነትን ፍትሒን ሱዳን፣ ዳውድ ኣል ኣሚን ማሕሙድ፣ ዝመርሖም ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ምብራቕ ሱዳን፣ ብሰንበት 10 ሕዳር፣ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘረራበሉ እዋንዩ።

ንዝተፈላለያ ዕጡቓትን ምንቅስቓሳትን ምብራቕ ሱዳን ዝሓቖፈ፣ ስሙር ግንባር ንሓርነትን ፍትሒን ሱዳን፣ ድሕሪቲ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ርክብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ንሉኣላውነት ሱዳን ዝከላኸልን ዝሕሉን ሃገራዊ መደብ ክህልዎምን፣ ንሱዳንን ነቲ ዞባን፣ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎን ዘይምርግጋእ ዝፈጥርን ናይ ግዳም ምትእትታው ክነጽጉን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ኣፍሊጡ።

ንሱዳንን ነቲ ዞባን ካብ ህርፋን ካብ ዘለዎም ግዳማውያን ንምክልኻል፣ ኤርትራ ከምእትተሓጋገዞም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዘረጋገጸሎምውን እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ኣብ ኤርትራ ክስልጥኑ ዝጸንሑ፣ ብጀነራል ዳውድ ኣል ኣሚን ማሕሙድ ዝምራሑ ሚሊሻታት ምብራቕ ሱዳን፣ ዝሓለፈ ቅንያት ናብ ዞባ ከሰላ ከምዝተዋፈሩ ገሊጾምዮም።

ኤርትራ፣ ንኣርባዕተ ዓበይቲ ምንቅስቓሳታን ዕጡቓት ሓይልትታት ምብራቅ ሱዳን ተሰልጥን ከምዘላ ይፍለጥ።

እቲ ቀዳማይ ብምብራቓዊ ኦርጣዝፍለጥ፣ ብጀነራል ዳውድ ኣል ኣሚን ማሕሙድ ዝምራሕ ስሙር ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ እቲ ካልኣይ ድማ ብሙሳ መሓመድ ኣሕመድ ዝምራሕ ምቅንስቓስ ባይቶ ቤጃዩ።

ብኢብራሂም ዱንያ ዝምራሕ፣ ሓይልታት ሓርነት ምብራቕ ሱዳንን ብመሓመድ ጣህር ቢታ ዝምራሕ፣ ሃገራዊ ምንቅስቃስ ንምብራቅ ሱዳንን ውን ሚሊሻታቶም ኣብ ኤርትራ ይስልጥኑ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

እዞም ኣብ ኤርትራ ዝስልጥኑ ዘለዉ ሚሊሻታት፣ ኣሃዱ ቦጦሎኒ ምብራቕ ሱዳን ብምቛም፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ብምስላፍ ንዞብኦም ክከላኸሉ ምዃኖምዮም ዝገልጹ።

ዛጊት ኣብ ሰለስተ ዙር ታዕሊም ዝወሰዱ ሚሊሻታት ምብራቕ ሱዳን፣ ንሰራዊት ሱዳን ንምሕጋዝ ናብ ዞባ ከሰላ ከምዝተዋፈሩ ራድዮ ዳባንጋ ንመግለጺ እቶም ሓይልታት ብምጥቃስ ሓቢራ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ሓይልታቱ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምስልጣኖም ናብ ዞባ ከሰላ ዝተዋፈሩ ጀነራል ዳውድ ኣል ኣሚን ማሕሙድ ምስ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን፣ ያሲር ኣል ዓጣ ብምርኻብ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ድሕነትን ምብርቕ ሱዳን ከምዝተመያየጡ እታ ራድዮ ጠቒሳ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0