ፕረዚደንት ኢራን ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ዓሪፉ

RADIO ERENA – Tuesday, 21 May 2024

ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣዘርባጃን ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ኣብ ግመ ዝበዝሖ ኩነታት ኣየር ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ሞይቱ።

እታ ብሰንበት ራይሲ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሑሴን ኣሚር-ዓብደላሂያንን ካልኦት ሽዱሽተ ሰራሕተኛታትን ጽዒና ዝወደቐት ሄሎኮፕተር፣ ድሕሪ ዝተገብረ ሓያል ጻዕሪ ብሓዊ ዝተቓጸለ ስብርባራት ትማሊ ሰኑይ ኣጋ ምሸት ተረኺቡ።

እታ ሄሊኮፕተር እናተጓዕዘት እንከላ ርክብ ድሕሪ ምጥፍኡ፣ ሓደጋ ወይ መጭወይቲ ከይከውን ዝብል ስግኣታት ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ከባቢ ጆልፋ ዝተባህለት ኣብ ዶብ ኣዘርባጃን እትርከብ ከተማ፣ ካብ ርእሰ ከተማ ቴህራን ኣስታት 600 ኪሎ ሜተር ንሰሜናዊ ምዕራብ ርሒቓ እትርከብ ከተማ እዩ ኣጋጢሙ።

ራይሲ ትማሊ ሰንበት ኣጋ ምሸት ምስ ፕረዚደንት ኣዘርባጃን ኢልሃም ዓሊየቭ ሓጽቢ ንምምራቕ ኣብ ኣዘርባጃን ከምዝነበረ ይፍለጥ።

እዚ ዑደት’ዚ፣ ብሰንኪ ኣብ 2023 ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣዘርባጃን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲን ኣዘርባጃን ምስ እስራኤል ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታትን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝምድናታተን ሓርፊፉ እናሃለወ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።

ሃገራት ብቐጥታ ነሓድሕደን ክጠቓቕዓ እንከለዋ ኲናት ምእዋጅ ኮይኑ ኣብ ካልእ ከም ኤምባስን ቆንስልን መጥቃዕቲ ምክያድ’ውን ከም ምእዋጅ ኲናት እዩ ዝቑጸር።

ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ኣያቶላህ ዓሊ ካሜኒ ፣ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር መሓመድ ሞክበር ግዝያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ስልጣን ክቕበል ምዃኑ ገሊጹ።

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዓሊ ባግሪ ካኒ ድማ ግዝያዊ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ተመዚዙ።

ብመሰረት ቅዋም ኢራን፡ ኣብ ውሽጢ 50 መዓልታት ሓድሽ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0