ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብን ሓላፊ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ዘተ ኣካይዶም

RADIO ERENA – Friday , 19 July 2024

ፕረዚደንት ኢማራት ዓረብን ሓላፊ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘተ ኣካይዶም።

ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ትማሊ ሓሙስ ምስ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ብቴሌፎን ተራኺቦም ዘትዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ “ብዘይካ’ቲ ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዝምድናን ነቲ ህሉው ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ክሰርሑን ተረዳዲኦም።

ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት፣ ምስቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ከምዝወገነት፣ ብወገን ሰራዊት መንግስቲ ወቐሳ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወገኑ፣ እቲ ጸብጻብ ሓቅነት ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፣ እታ ሃገር ኣብ ኵናት ሱዳን ንእትሕግዞ ወገን ከምዘይብላ ኣረዲኡ ኔሩ።

ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ዲፕሎማሰኛታት ክሳብ ምስጓግ በጺሐን ከምዝነበራ ይዝከር።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ፣ ሓደ ሓደ ሃገራት ንፈጣን ሓይልታት ይድግፋ ምህላወን ክወቅስ`ዩ ጸኒሑ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0