ፕረዚደንት ሶርያ ነበር፣ ባሽራ ኣል ኣሳድ ኣብ ሩስያ ዑቕባ ሓቲቱ

RADIO ERENA – Monday, 09 December 2024

ንሶርያ፣ ካብ ኣቦኡ ስልጣን ተቐቢሉ፣ ን24 ዓመታት ክመርሓ ዝጸንሐ፣ ፕረዚደንት ነበር፣ ባሻር ኣል ኣሳድ፣ ብወትሃደራዊ ጎነጽ ተቓወምቲ ሓይልታት ድሕሪ ምእላዩ፣ ናብ ሩስያ ሃዲሙ ዑቕባ ከምዝሓተተ ይግለጽ ኣሎ።

ካብ 1971 ኣትሒዞም ኣቦን ወዲን፣ ን53 ዓመታት ዝመርሑዋ ሶርያ፣ ኣብ 2011 ህዝባዊ ናዕቢ እኳ እንተተላዕለ፣ ፕረዚደንት ነበር ባሻር ኣልኣሳድ፣ ብወትሃደራዊ ደገፍ ሩስያ ክገትኦ ከምዝኸኣለ ይዝከር።

እንተኾነ፣ ብሃይማኖትን ካልእን ዝተጎጃጀሉ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት፣ ሓይልታቶም ብምድልዳል ኣንጻር ቲ በዓሳዊ ስርዓት ከምዝኽተል ዝንገረሉ ኣሳድ፣ ቃልሶም ክቅጽሉ ጸኒሖም።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ቅነ፣ ጽዑቕ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ከካይድ ዝጸንሐ፣ ብናይ ቀደም ናይ ኣልቓዒዳ ኣባል ዝነበረ፣ መሓመድ ኣል ጃውላኒ ዝመራሕ ሓይሊ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት፣ ንርእሰ ከተማ ደማስቆስ ድሕሪ ምቑጽጻሩ፣ እቲ ፕረዚደንት ነበር ምስ ስድርኡ ብነፋሪት ክሃድምዩ ተገዲዱ።

ስርዓት ኣሳድ፣ ን10ታት ዓመታት ኣሲሩ ከስቕዎዮም ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ እንከለዉ፣ ህዝቢ ድማ ዒቕ ኢልዎ ዝጸንሐ ምልኪ ብምእላዩ፣ ባንዴራታትን ጭርሖታትን ብምልዓል፣ ሓጎሱ ኣብ ጎደናታት ኣብ ምግላጽ ይርከብ።

ሶርያ፣ መጻኢኣ ንጹር እኳ እንዘተዘይኮነ፣ ሓድሽ መራሒ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ፣ መሓመድ ኣል ጃውላኒ፣ ኢራን ካብ ሶርያ ኢዳ ክትእከብ ብተሪር ምጥንቃቑ፣ ምስ እስራኤልን ኣመሪካን ዝምድንኡ ንምምሕያሽ ዘለዎ ድሌት ዘንጸባርቕዩ እናተባህለ ይትንተን ኣሎ።

ንሱ፣ ኣባል ኣልቓዒዳ ኣብ ዝነበረሉ፣ ብህይወቱ ብወይ ብሞቱ፣ ሃለዋቱ ንዝሓበረ ሰብ ክሳብ 10 ሚልዮን ዶላር ሞሳ ክትህብ፣ ኣመሪካ ሰሊዓ ምንባራ ይፍለጥ።

ንሶርያ፣ እናተበራረዩ ን53 ዓመታት ዝድሃኽዋ ስድራቤትን ሰዓብቱን፣ ገሊኦም ሃዲሞም ካብታ ሃገር ክወጽኡ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ይህደኑ ኣለዉ።

እዚ ኣብ ሶርያ ዘጋጠመ ውድቀት ኣሳድ፣ መለኽቲ ስርዓታት ዋላኳ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ዝኽእሉ እንተኾኑ፣ መወዳእቱ ግና ህይወቶምን ህወይት ስድራቤታቶም ደገፍቶምን ኣብ ሓደጋ ብምእታው ካብ ስልጣን ከምዝብርቖቑ ዘዘኻኸር ፍጻሜ ኮይኑ ይጥቀስ ኣሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0