ፕረዚደንት ሶማል፣ ሰራዊት ንምትብባዕ ናብ ግንባራት ቅድሚ ምብጋሱ ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ

RADIO ERENA – Wednesday, 19 March 2025

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ዞባ ዓደን ያባል ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ምውጋእ ንዝርከብ ሰራዊት ንምትብባዕ ቅድሚ ምብጋሱ ፈተነ ቅትለት ከምዝተኻየደሉ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብሰሉስ 18 መጋቢት፣ ካብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ፣ ኣብ ሞቛድሾ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ቪላ ሶማልያ፣ ብቃፍላይ ተዓጅቡ ኣብ ዝወጽኣሉ ዝነበረ እዋን፣ ርሑቕ ከይተጓዓዘዩ ኣብ መኪና ነታጕ ብምጽዋድ መጥቃዕቲ ተኻይድሉ።

እቲ ፕረዚደንት ካብቲ ዝተኻየደሉ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ብዘይዝኾነ ጉድኣት ከምዝወጸ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ኣልሸባብ ከምዘካየዶ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ብዝርዝር ኣይተጠቕሰን።

ፕረዚደንት ሓሰን ሽኽ ማሕሙድ፣ በቲ ዝተኻየደሉ ፈተነ መጥቃዕቲ ከይተሰናበደ፣ ናብቲ ዝተበገሰሉ ግንባራት ዓደን ያባል ክበጽሕ ከምዝኽኣለ፣ መንግስታዊ ዜና ብኣሳእል ብምስናይ ኣቕሪቡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣቐዲሙ፡ ብ16 መጋቢት፣ ንሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፣ ዓብደልቃድር መሓመድኑር፣ ካብ መዝነቱ ከምዝኣለዮ ቤት ጽሕፈቱ ኣረጋጊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነቲ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ዝኣለዮ ምስታ ምስ ኣመሪካ ኣብ ምውጣጥ እትርከብ ቱርኪ ጥቡቕ ዝምድና ስለዘለዎ፣ ንምምሕዳር ትራምፕ ከሐጉስ ዝውሰደ ስጉምቲዩ ተባሂሉ ይትንተን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0