RADIO ERENA – Wednesday, 11 December 2024
ፕረዚደንት ሶማል፣ ሸኽ ሓሰን ማሕሙድ፣ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ምስሕሕብ ንምዝታይ፣ ብሰሉስ 10 ታሕሳስ፣ ናብ ቱርኪየ ከምዘምርሐ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ‘ውን ኣብቲ ብመንጎኝነት ፕረዚደንትት ቱርኪ፣ ኣብ ከተማ ኣንካራ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ስሉሳዊ ዘተ ምስ ሶማል ንምስታፍ ናብታ ሃገር ኣትዩ ኣሎ።
ክልቲኦም መራሕቲ፣ ድሕሪ‘ቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ዝተፈጥረ፣ ዓመቱ ከቑጽር ሒደት ሰሙናት ተሪፍዎ ዘሎ ምስሕሓብ ብኣካል ክራኸቡ ናይ መጀመርይ ክኸውን‘ዩ።
ኢትዮጵያ፣ ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2024፣ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነድ፣ ን50 ዓመታት እትውንኖ 25 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ገማግም ባሕሪ ክህልዋ፣ ኣምሳያኡ ድማ ነታ ርእሰ ምምሕዳር ከም ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ክትህባ ዝብል‘ዩ።
ቱርኪየ፣ ንሶማልን ኢትዮጵያን ብኣካል ንምዝርራብ ክልተ ግዜ ዝወሰደቶ ተበግሶ ኣይተዓወተን።
ኢትዮጵያ፣ ነቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኽተመቶ መረዳድኢ ሰነድ ከይሰረዘት ዝኾነ ዓይነት ዘተ ከምዘይህሉ‘ዩ ብወገን መንግስቲ ሶማል ክግለጽ ጸኒሑ።
ፕረዚደንታት ኬንያን ኡጋንዳ‘ውን ነዘን ክተ ጎረባብቲ ሃገራት ንምቅርራብ ተበግሶ ከምዝወስዱ፣ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ይዝከር።
እዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ነቲ ድሮ ኣብ ሰንኮፍ ዝርከብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝበኣሰ ወጥርን ተወሳኺ ግጭታትን ከይሸሞ ይስጋእ።
ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=================
COMMENTS