ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣንጸላልዩ ዘሎ ወጥሪ ተመያይጦም

RADIO ERENA – Wednesday, 04 September 2024
ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣንጸላልዩ ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት፣ ሎሚ ሮቡዕ 04 መስከረም መርበባት ዜና ሶማል ሓቢረን።
ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ብዛዕባ’ዚ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከይጸልዩ ተሰጊኡ ዘሎ ዘሎ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ዝተመያየጡ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ካብ 04 ክሳብ 06 መስከረም፣ ኣብ ቻይና፣ ከተማ ቤጂንግ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መድረክ ምትሕግጋዝ ቻይናን ኣፍሪቃን’ዩ።
ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ምውጣጥ እትርከብ ሶማል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሰራዊት ግብጺ ናብ መሬታን ባሕራን ክኣቱ ፈቒዳ ኣላ።
ዕላማ ምእታው ሰራዊት ግብጺ ናብ ሶማል፣ ንሰራዊት ሶማል ኣብ ስልጠናንን ኣጽዋርን ንምሕጋዙ ምዃኑ እኳ እንተተሓበረ፣ ንኢትዮጵያ ዘስግእ ምንቅስቓሳት ክገብር ከምዝኽእል ‘ውን ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።
ግብጺን ኤርትራን፣ ብድምር ኣስታት 6 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል ኣብ ምስልጣን ይርከባ።
ኣብ ትሕቲ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ተሓቝፉ፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ኣስታት 10 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክወጽእ ዝጠልብ ዘሎ መንግስቲ ሶማል፣ መተካእትኡ ካብ ግብጺ ወይ ካብ መሻርኽቲ ዝበለን ሃገራት ክኣቱ ከምዝደሊ’ዩ ዝእምት።
ኢትዮጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን ምስታብወግዒ ኣካል ሶማል ዝኾነት ርእስምምሓር ሶማሊላንድ፣ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ምኽታማ፣ ንክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ምፍጣጥ ኣምሪሑወን ይርከብ።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0