Radio Erena: 30 November 2016
ብኣየርላንዳዊ ኣባል ባይቶ ኤውሮጳ ብርያን ሃየስ ዝተወደበ፣ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዝዝቲ ኣኼባ ኣብ ቤልጁም ከተማ ብራስለስ፣ ብሰኑይ 28 ሕዳር ተኻይዱ።
ኣብቲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣህጉራውያን ውድባት፣ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምውካል መደረ ከሰምዕ ዝተዓደመ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤራትር ዘሎ ዕድላት ወፍሪ፣ ሕርሻንን ዕደናን ዘርዚሩ።
ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛታትን ዝተወከሉ ኤርትራውያን በንጻሩ፣ እቲ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሃለዋት እቶም ብዘይፍርዲ ነዊሕ ዓመታት ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ከይጠቐሰ ምሕላፉ ብምትሕስሳብ፣ ንኤርትራውያን ናብ ዋሕዚ ስደት ደፊእዎም ዘሎ ህሉው ኩነታትን ብዝምልከት ኣቕሪቦም።
ኣየርላንዳዊ ኣባል ፓርላማ ኤውሮጳ ብርያን ሃየስ ብወገኑ፣ ወኪል ሃገሩ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ኤርትር ዑደት ከምዘካየደ ብምዝኽኻር፣ ሃገሩ ሳላ ዘበርከተቶ ናይ ሚልዮናት ኤውሮ ፕሮጀክት፣ 20 ስሕ ኤርትራውያን ስድራቤታት ተጠቐምቲ ከምዝኾና ገሊጹ።
እቲ ኣባል ባይቶ፣ ዘተ ኣውራ መፍትሒ ጉዳይ’ዩ ኢሉ ከምዝኣምን ብምጥቃስ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ምንጻሉ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ከምዘይክእል’ዩ ዘረድእ።
መንግስቲ ኤርትራ ካብቲ ኣውራ ጉዳያት እናሃደመ፣ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ባይታ ዘየለ ሓቕታት የቕርብ ብምህላዉ፣ እዚ ኣብ ብራስለስ ዝተካየደ ኣኼባ ክስረዝ ሓያሎ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ክሓቱ ጸኒሖም’ዮም።
======================
COMMENTS