ፓሪስ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሓተቲ ዑቕባ ናብ መጻንሒ ማእከል ግዒዞም

Radio Erena: Thursday, 30 May 2024

ጸወታታት ኦሎምፒክ ፓሪስ ኣብ ዝቃረበሉ ዘሎ እዋን፣ ፖሊስ ፈረንሳ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ፓሪስ ግዝያዊ ቴንዳታት ዘርጊሖም ክነብሩ ዝጸንሑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ግዝያዊ መንበሪኦም ተባሪሮም።

እቲ ግዝያዊ መዓስከር ኣብ ቴንዳታት ዝነብሩ ኣስታት 450 ሓተቲ ዑቕባ ከም ዝነበርዎ ይፍለጥ።

ምስሊ ናይታ ከተማ ደዊኖምን ንጸጥታን ተባሂሎም ካብቲ ከባቢ ዝተወስዱ ሓተቲ ዑቕባ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሓገዝ መንበሪ ኣባይቲ ስለዘይወሃቦም፣ ኣሸጋሪ ምዃኑ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣተሓሳሲቦም።

ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ምርካቦም 150 ሰባት ባዕላቶም ክወጹ እንከለዉ፣ 300 ሰባት ድማ ብፖሊስ ተኣልዮም።

ካብቶም 450፣ 20 ህጻናትን 50 ደቂ ኣንስትዮን ከምዝኾኑ እቲ ጉጅለ ረድኤት ኣፍሊጡ።

ሓይሊ ፖሊስ ፈረንሳ፡ ነቲ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ 2024፣ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ መበል 33 ውድድር ጸወታታት ኦሎምፒክስ፣ ብሰብ – ሰርሖ ብልሒ ወይ ከኣ Artificial Intelligence ዝተደገፈ

ጽኑዕ ሓለዋ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

መኽፈቲ ጽምብል ጸወታታት ኦሎምፒክስ፣ ኣብ ከተማ ፓሪስ፣ ነታ ከተማ ኣብ ዝስንጥቕ ፈለግ Seine ክካየድ`ዩ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኦሎምፒክስ፣ ካብ 206 ሃገራት ዝመጽኡ 10,500 ስፖርታውያን

ኣብ 32 ዝተፈላለየ ዓውድታት ስፖርት ከምዝሳተፉ ይፍለጥ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0