RADIO ERENA – Monday, 05 May 2025
ፈጣን ሓይልታት ሱዳን፣ ኣብ ከተማታት ፖርት ሱዳንን ከሰላን ንዝረከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዘጥቅዐ ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ፣ ብርጋዴር ናቢል ዓብደላ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብቀዳምን ሰንበትን፣ ብድሮን ዝተኻየደ መጥቃዕታት፣ ንኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዑስማን ዲግና ናይ ፖርት ሱዳን፣ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ከሰናኽሎ እንከሎ፣ ኣብ ከሰላ ዘብጽሖ ዕንወት ግና ብዝርዝር ኣይተገልጸን።
ካብ ካርቱምን ሓያሎ ከባቢታትን እናተደፍአ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝተኣኻኸብ ዘሎ ፈጣን ሓይልታት፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ከተማታት ፖርት ሱዳንን ከሰላን መጥቃዕቲ ከካይድ እዚ ናይ ፈለማ‘ዩ።
ፈጣን ሓይልታት፣ ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ተፈንጃሪ ድሮን ከምዝተጠቕመ ዘመልከተ ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ሰብ ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ኣይጠቐሰን።
እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ፈጣን ሓይልታትን ብዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ኣብ ሰሜናዊ ዳርፉር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ጥራይ፣ ኣስታት 500 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።
===================
COMMENTS