ፈረንሳ ዘቛረጸቶ መደብ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ብሩስያ ንምትካእ ውጥን ከምዘሎ ተቓሊዑ

Radio Erena: 06 April 2022

ምስ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ዝተበታተነ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ዳግም ንምቛም ምስ መንግስቲ ፈረንሳ ዝተበጽሕ ስምምዕ፣ በንኪ ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ እቲ መደብ ብሓገዝ ሩስያ ንምቕጻል ውጥን ከምዘሎ ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ንወትሃደራውያን ምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣቃሊዑ።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጽልዋታታ ንምዕባይን ሓይሊ ባሕሪ ዳግም ንምቛም ክትሰርሕ ምዃና’ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

ነዚ ንምትግባር ብቀዳምነት መብጽዓ ዝኣተወን ስምምዕ ዝኸተመትን ሃገር፣ ፈረንሳ ኔራ።

ኣብ ሕዳር 2020፣ ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑን ኣብ ትግራይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምፍጻሙን፣ ፈረንሳ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸተመቶ፣ ዳግመ ምቛም ሓይሊ ባሕሪን ምሕዳስ ሓይሊ ኣየርን ኢትዮጵያ ዝርከቦ ወትሃደራዊ ስምምዓት ከምዘደስከለቶ ኣፍሊጣ።

ኣብ ዓበይቲ ሓጽብታት እታ ሃገር ስልጠና ኣባላቱ ይህብ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ናብቲ ቅድሚ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ዝነበሮ ዓቕሚ ናይ ምምላስ ሕልምታቱ ከግህድ ከምዘይክእል ‘ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ንኵናት ዝጓርቶ ዘሎ ኣጽዋር ነዚ ሕልሚ’ዚ ንምግሃድ ናብ ሩስያ የቛምት ከምዘሎ ድማ’ዩ ጸብጻብ ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ዝእምት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ናይ ድጋፍ ኮነ ናይ ተቓውሞ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ሩስያ ብወገና፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ገዛእ ርእሳ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ምስ ሱዳን ዝጀመረቶ ዝርርብ ክትቕጽሎ ከምእትደሊ ‘ያ ተፍልጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0