ፈረንሳ ኣብ ሳሕለ-ሰሓራ ተዋፊሩ ዝርከብ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰራዊት ክትስሕብ’ያ

Radio Erena: 13 July 2021

ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሓራ ተዋፊሩ ካብ ዝርከብ ኣስታት 5 ሽሕ ሰራዊት ፈረንሳ እቲ ፍርቁ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክስሕብ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ምስ መራሕቲ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ዋዕላ፣ ሽበራውያን ጉጅለታት ካብቲ ዞባ ናብ ካልእ ክፋል ኣፍሪቃ ኣተኩሮም ስለዘለዉ፣ ምስ ዘሎ ኩነታት ምትዕርራይ ከምዘድሊ ገሊጹ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ማሊ ካብ ዝጸንሓ ወትሃደራዊ መዓስከራት፣ ብውሕዱ ንሰለስተ ንምዕጻው መዲባ ኣላ።

ኣብ ማሊ፣ ሞሪታንያ፣ ኒጀርን ቻድን ብፍሉይ ክንቀሳቐሱ ንዝጸንሑ፣ ሽበራውያን ጉጅለታት ንምህዳን፣ ፈረንሳ፣ ‘ባርካን’ ብዝብል ስያሚ ተልእኾ ዝሃበቶ ሰራዊት ንሸሞንተ ዓመታት ጸኒሑ።

ፈረንሳ ብዘይካ’ዚ ኣብ ቅናት ሳሕላ-ሰሓራ ዝርከብ፣ ብሄሊኮፕተራትን ድሩዓት መካይንን ዝተሰነየ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰራዊት፣ ኣብ ጂቡቲ’ውን ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኵናትን ዝዓጠቐ ተደራቢ ሓይሊ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0