‘ፈረንሳ ንፕረዚደንት ኒጀር ካብ ተቐዪዱሉ ዘሎ ገዛ ከተውጽኦ ፈተነ ኣካዪዳ’፣ኮሎኔል ኣማዱ

Radio Erena: Tuesday, 01 August 2023

ኣብ ኒጀር ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምክያድ ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ሓይልታት፣ ፈረንሳ ንፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ካብ ተቐዪዱሉ ዘሎ ገዛ ከተውጽኦ ፈተነ ኣካዪዳ ክብሉ ከሲሶም።

ሓላፊ ፍሉይ ሓይሊ ዝነበረ ኮሎኔል ኣማዱ፣ ብሰኑይ 31 ሓምለ ኣብ ቴሌቪዥን’ታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ፈረንሳ ፍሉያት ሓይልታት ልኢኻ ንፕረዚደንት ባዙም ከተውጽኦ ፍሹል ስርሒት ኣካዪዳ ክብል’ዩ ከሲሱ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን፣ ድሕነት ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ዜጋታቱ ንምሕላው ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ምግላጹ ይዝከር።

እንተኾነ ነዚ ናይ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ክሲ፣ ናይ እወታ ኮነ ኣሉታ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ብካልእ ወገን፣ ምትእኽኻብ ሓባራዊ ቁጠባ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ECOWAS) ሚኒስተራት ምክልኻል ኣባል ሃገራት ህጹጽ ኣኼባ ከካይዱ ጸዊዑ። ኤኮዋስ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝዋፈር ሰራዊት ከምዘይብሉ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ኒጀር ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ ስልጣኑ እንተዘይተመሊሱ፣ ወተሃደራዊ ምትእትታው ክገብር ምዃኑ ኣጠንቂቑ’ዩ።

ፈረንሳ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ሃሱሚ ማሱዱ ርክብ ከተካዪድ ጸኒሓ፣ ዝብል ሓላፊ ፍሉይ ኮማንዶ ዝነበረ ኮሎኔል ኣማዱ፣ እቲ ስርሒት ክካየድ እውን ንሱ እዩ ፈቒዱ፣ ክብል ይኸስስ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0