ፈረንሳ፣ ግዝኣታ ኣብ ዝኾነ ክፋል ኣማዞን፣ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ንምህናጽ ትውጥን

RADIO ERENA – Tuesday, 20 May 2025

ፈረንሳ፣ ኣብ ደቡባዊ ኣመሪካ፣ ንብራዚልን ሱሪናምን ኣብ ዘዋስን ጫካ ኣማዞን፣ ኣስታት 500 እሱራት ክሕዝ ዝኽእል ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ንምህናጽ ውጥን ከምዘለዋ ኣፍሊጣ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ዠራልድ ደርማና፣ ንትግባረ ምህናጽ እቲ ኣስታት 400 ሚልዮን ኤውሮ ዝተገመተ ቤት ማእሰርቲ ንምዕዛብ፣ ናብታ ኣብ ሃገራት ካሪብያን እትርከብ፣ ግዝኣት ፈረንሳ ዝኾነት፣ ጉያና በጺሑ።

ምስ ምስግጋርን መሸጣን ሓሽሽ ከምኡ ድማ ሽበራ ብዝተሓሓዝ፣ ከቢድ ገበን ፈጺሞም ብጽኑዕ ክእሰሩ ዝተወሰነሎም ኣስታት 75 ሰባት፣ ናብቲ ኣብ 2028 ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ብቀዳምነት ክግዕዙ ምዃኖም ዩ ተመልኪቱ።

ሚኒስተር ዳርማና፣ ኣቐዲሙውን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣስታት 20 ሽሕ ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎም እሱራት፣ ናብ ካልእ ሃገር ግዒዞም ማእሰቶም ክቕጽሉ ዝብል እማመ ኣቕሪቡ ዩ።

ኣብ ርእሲዚ፣ እቲ ሚኒስተር፣ ኣብ መላእ ፈረንሳ ዝርከቡ፣ ኣስታት 83 ሽሕ እሱራት፣ ገለ ክፋል ወጻኢታቶም ባዕላቶም ክሽፍኑ ኣለዎም ምባሉውን መዛረቢ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኮይኑ።

ንሱ፣ ነቶም እሱራት ዓመታዊ፣ ኣስታት 4 ቢልዮን ኤውሮ ወጻኢ ይግበረሎም ከምዘሎ ብምምልካት፣ ነዚ ወጻኢታት እዚ ንምቕናስ፣ እቶም ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎም፣ ብዝሓሰረ ክእሰርሉ ናብ ዝኽእሉ ሃገራት ክግዕዙ፣ እቶም ዜጋታት ድማ፣ ገለ ክፋል ወጻኢታቶም ባዕላቶም ክሽፍኑ ብምባልዩ ዝምጉት።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0