ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ዝርከቦም ሸሞንተ ሓተቲ ዑቕባ ሞይቶም

RADIO ERENA – Thursday, 19 September 2024

ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያን፣ ብናይ ጎማ ጃልባ ክሰግሩ ዝፈተኑ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብዚ ሳልስቲዚ፣ ቡሎኝ ሱር ሜር ኣብ ዝተባሃለ፣ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ጥሒሎም ዝሞቱ ሓተቲ ዑቕባ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሶርያን ኢራንንዮም።

እታ ኣስታት 20 ሰባት ክትሕዝ እትኽእል ናይ ጎማ ጃልባ፣ ልዕሊ ዓቕማ፣ 59 ሰባት ጽዒና ሒደት ሰዓታት ምስተጓዓዘተያ ክትጥሕል ጀሚራ።

መብዛሕቶም፣ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ክድሕኑ ክኢሎም።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ጥራይ፣ ኣስታት 200 ሓተቲ ዑቕባ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓኑዮም ዘመልክቱ።

እዚ ህይወት ሸሞንተ ሰባት ዘጥፍአ ሓደጋ ምጥሓል ዘጋጥሞ ዘሎ፣ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ናይቲ መብዛሕቶም ኤርትራውን ዝኾኑን ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብኦም 12 ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ብተመሳሳሊ ጥሒሎም ምሟቶምዩ።

ኣብዚ እዋንዚ፣ ካብ ገማጋም ባሕሪ ፈረንሳን ቤልጅዩም፣ ናብ ብሪጣንያን ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ እናንሃረዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ፈረንሳ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣስታት 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ተኣኻኺቦም ከምዘለዉውን ጸብጻብ ፖሊስ ዘመልክት።

ብሪጣንያ፣ በዚ መንገዲዚ ንዝመጽኡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምምላስ መደባ ድሕሪ ምስራዙ፣ ኣስሓት ሓተቲ ዑቕባ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ክኢሎም ኣለዉ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0