ጸጥታ ዘስግኦ ፖሊስ ሶማል፣ ምሉእ ገጽ ዝሽፍን ኒቓብ ይእግድ

RADIO ERENA – Thursday, 09 August 2024

ፖሊስ ሶማል፣ ደቂንስትዮ ኣመንቲ ምስልምና ዘዘውትርኦ፣ ምሉእ ገጽ ዝሽፍን ኒቓብ፣ ይእግድ ከምዘሎ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ፖሊስ፣ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ጁባላንድ፣ ንልዕሊ 100 ደቂንስትዮ፣ ኒቓብ ከምዘሕደጉወንን፣ ድሕሮም ድማ ከምዘንደድዎን ንኮሚሽነር ፖሊስ ኪስማዮ፣ ኮለነል ዋርሰመ ኣሕመድ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ገሊጹ።

ሓይልታት ጸጥታ ሶማል፣ ኒቓብ ዝእግድሉ ዘለዉ ምኽንያት፣ ድሕሪ’ቲ ብውሕዱ 37 ሰባት ዝቐተለ፣ ብ02 ነሓሰ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝተፈጸመ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲዩ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ኒቓብ ብዝተጎልበበ ሰብ ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእልዩ ፖሊስ ኣብ መደምደምታ በጺሑ።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ፣ ምሉእ ገጽ ዝሽፍን ኒቓብ ከይዝውተር ይእግድ ኣሎ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0