ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንልዕሊ 50% ኣብ ሰደድ ዝነጥፋ ትካላት ብሪጣንያ ብኣሉታ ከምዝጸለወን ተሓቢሩ

RADIO ERENA:- Thursday , 29 February 2024

ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንልዕሊ 50% ኣብ ሰደድ ዝነጥፋ ትካላት ብሪጣንያ ብኣሉታ ከምዝጸለወን ንጸብጻብ ቤት ምኽሪ ንግዲ እታ ሃገር ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ቤት ምኽሪ ንግዲ ብሪጣንያ ብዘቕረቦ ጸብጸብ መሰረት፡ ብሰንኪቲ ሑቲ ናይ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ፈጢርዎ ዘሎ ስግኣት፡ 55% ካብ ትካላት ሰድድ ብኣሉታ ክጸሉ እንከሎ፡ 53% ድማ ናብ ኣፍረይቲ ትካላትየን።

ብጠቕላላ 33% ንግዲ ብሪጣንያ፡ በቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተኸስቱ ዘሎ ናይ ጸጥታ ኩነታት ተጸልዮ ከምዘሎ ዝጠቐሰ፡ ሓላፊ ፖሊሲ ንግዲ ቤት ምኽሪ ታ ሃገር፡ ዊልያም በይን፡ ከምዘለዎ እንተቐጺሉ ኣብ ወጻኢታት ከቢድ ሃስያ ከምሰዕብ ምዃኑ ኣሚቱ።

ቤት ምኽሪ ንግዲ ብሪጣንያ፡ ካብ 15 ጥሪ ክሳብ 09 ለካቲት፡ ኣብ ልዕሊ1087 ትካላት ብሪጥንያ መጽናቲ ከምዘካየደዩ ኣመልኪቱ።

እተን 90% ካብዘን ብጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተጸልየን ዘለዋ ትካላት ብሪጣንያ ድማ ትሕቲ 250 ሰራሕተኛታት ዘዋፈራ ምዃነን የነጽር።

እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ደው እንተዘየቢላ፡ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ዒላማ ካብ ምግባር ከምዘየቋርጽ ዘጠንቅቕ ዘሎ ሑቲ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሙን ንሓንቲ ናይ ብሪጣንያ ናይ ንግዲ መርከብ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደላ ክግለጽ ቀንዩ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን ብወገነን፡ ሑቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ይውንጭፈሉዩ ንዝበልኦ ሓያሎ ከባቢታት የመን ይድብድባ ምህላወን ይፍለጥ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተኸሲቱ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ፡ ሓያሎ ትካላት መጓዓዝያ ባሕሪ፡ ጉዕዞ መራኽበን ብደቡብ ኣፍሪቃ ክቕይራ ይግደዳ ኣለዋ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0