RADIO ERENA – Monday, 11 November 2024
ግብጺ፡ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾና ሃገራት ጽዑቕ ዲፕሎማሲ ኣብ ምክያድ ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ መራሕቲ ኤርትራን ሶማልን ናይ ፍርቂ መዓልቲ ርክብ ዘካየደ ፕረዚደንት ግብጺ፡ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፡ ንኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ካይሮ ዓዲምዎ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፡ ብዝያዳ ዘተኮርሉ ዛዕባ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ‘ዩ ኔሩ።
እቶም መራሕቲ፡ ጉዳይ ናይል ንሃገራቶም ናይ ሞትን ህይወትን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሃገራዊ ድሕነቶምን ረብሓታቶምን ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም‘ዮም ኣረጋጊጾም።
ርክብ ግብጽን ሱዳንን፡ ብደረጃ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ‘ውን ንሳልስቱ ክቕጽል እንከሎ፡ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ጎኒ መንግስቲን ህዝብን ሱዳን ደው ከምዝብልን ‘ዩ ኣብቲ ኣጋጣሚ ደጊሙ ገሊጹ።
ንኢትዮጵያ ብጎረባብታ ኣብ ከበባ ንምእታውን ንምንጻላን ትሰርሕ ምህላዋ እትግለጽ ግብጺ፡ ምስ ጂቡቲ‘ውን ተመሳሳሊ ዘተ ኣካይዳ‘ያ።
ፕረዚደንት ዓብደለፈታሕ ኣልሲሲ፡ ብ30 ጥቅምቲ ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፡ ብቴሌፎን ከምዝተመያየጡ ዝሓበራ መርበባት ዜና ካብ ካይሮ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ንሃገራትክም ኣብ ዘገድስ ናይ ሓብራ ረብሓ ከምዝተመያየጡ ጠቒሰን።
ግብጺ፡ ነታ ምስ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ዋንነት ኣፈደገ ባሕሪ ኣብ ምፍጣጥ እትርከብ ሶማል፡ ናይ ኣጽዋርን ካልእን ደገፍ ክትገብር እንከላ፡ ንህሉዉ ኩነታት ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምምዝማዝ‘ውን ምስ ኤርትራ ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ርክባ ዳግም ተደልድሎ ኣላ።
ከም መርአያ ናይዚ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣብዚ ቀረባ ናብ ካይሮ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ትጽቢት ኣሎ።
ጽልኢ ህወሓት ዝጠመሮ፡ ኣብ 2018 ዝጀመረ ስልታዊ ዝምድና ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድን፡ ኣብ ሽዱሽተ ዓመቱ ላሕሊሑ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ኲናት ከየጎሃህር ኣብ ምስጋእ ተበጺሑ ኣሎ።
===============
COMMENTS