ግብጺ ካብ ሕማም ዓሶ ናጻ ኮይና

RADIO ERENA – Wednesday, 23 October 2024

ግብጺ ንኣስታት ሚእቲ ዓመት ብዝገበረቶ ጻዕሪ ካብ ሕማም ዓሶ ጠቕሊላ ናጻ ከምዝኾነት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ዓሶ ካብ ግዜ ፎርዖናት ኣትሒዙ ንኣእላፍ ዓመታት ንግብጺ ከሳቕያ ዝጸንሐ ሕማምዩ።

1550 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣቢሉ፣ ንሕማም ዓሶ ዝመሳሰሉ ምልክታት ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ይርአ ምንባሩ ምርምራት ዝጠቕሱ እኳ እንተኾኑ፣ ሕማም ዓሶ ኣብ 1880 እዩ ብስነፍልጠት ተረጋጊጹ።

ግብጺ፣ ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ካብ 1920ታት ኣትሒዛ ጻዕርታት ከተካይደሉ ከምዝጸንሐትዩ ዝግለጽ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዝኾነ መልከፍቲ እቲ ሕማም ብዘይምምዝጋቡ፣ ኣብ ዓመተ 2024፣ ብውድብ ጥዕና ዓለም፣ ናጻ ካብ ዓሶ ተባሂላ ኣላ።

ሕማም ዓሶ፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ንኤርትራ ሓዊስካ፣ ዓመታዊ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ይቐትል::

ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፣ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ፣ እቲ ሕማም ብብዝሒ ዝርኣየለን ሃገራት፣ መልከፍቲ ይቕንስ እኳ እንተሎ፣ ንዓሶ ምሉእ ብምሉእ ክከላኸላኦ ዝኸኣላ ሃገራት ግና 44 ጥራይየን።

ሕማም ዓሶ ኣብ ጣንጡ ብዝርከብ ጽግዕተኛ(ፓራሳይት) እዩ ዝመሓላለፍ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0