ግብጺ ናብ ደቡብ ሱዳን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከተዋፍር ከምእትኽእል ተገሊጹ

RADIO ERENA – Monday, 23 September 2024

ግብጺ፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከተዋፍር ከምእትኽእል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ናብ ካይሮ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ፣ ባድር ዓብደልዓጢ ተርኺቡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላዩ።

ናብ ሶማል ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣዋፊራ ዘላ ግብጺ፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ድማ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከተዋፍር እትወስዶ ተበግሶ ኢትዮጵያ ብስግኣት ያ ትርእዮ ዘላ።

ኣብ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ልዕሊ 10 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣዋፊራ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካቲ ካብ ግብጺ ክመጽኣ ዝኽእል ጸጥታዊ ስግኣት፣ ኣብቲ ዞባ ዝነበራ ውትሃደራዊ ጽልዋ ብግብጺ ከይትምንዛዕ ሓደ ካብ ሻቕሎታታ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ብመሰረት እቶም ተንተንቲ ዝህቦ መብርሂታት፣ ግብጺ፣ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ናብ ዝኾና ሃገራት ጀሚራቶ ዘላ ወትሃደራዊ ተበግሶታት፣ ኣብ ልዕሊታ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል እትሰሓሓባ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0