ግብጺ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጽልዋ ንምፍጣር እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ብምቕጻል፣ ናብ ጋና ኣተኩራ

Radio Erena: 11 May 2017

Egy FM in Ghana

ግብጺ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጽልዋ ንምፍጣር እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ብምቕጻል፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሳምሕ ሾክሪ ብሮቡዕ 10 ግንቦት ናብ ጋና ኣምሪሑ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብዚ ናይ ጋና ዑደቱ፣ ካብ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ናብ ፕረዚደንት ጋና፣ ናና ኣኩፎ ኣዶ ዝተላእከ ደብዳቤ ድሕሪ ምብጻሕ፣ ብዛዕባ መርገጺታት ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እታ ኣህጉር ብምትኳር ክዝትዩ’ዮም።

ሚኒስተር ሳምሕ ሾክሪ ኣብ ናይ ጋና ዑደቱ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ክዘራረብ ምዃኑ ኣፈኛ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣሕመድ ኣቡ ዘይድ ሓቢሩ።

ኣብ ጋና፣ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ ግብጻውያን ከምዘሎ ዝሓበረ ማዕከን ዜና ኣል ኣሕራም ከኣ፣ እቲ ሚኒስተር ኣብታ ሃገር ኣብ ዘካይዶ ዑደት ኣብ ንግድን ወፍርን’ውን ክዘራረብ ምዃኑ ጠቒሳ።

ግብጺ፣ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይል ንዘለወን መርገጺ ብዝምልከት ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ጽዑቕ ዲፕሎማሲ ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

ሚኒስተር ሳምሕ ሾክሪ ቅድሚ ናብ ጋና ምብጋሱ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ካይሮ ብምርኻብ ተዘራሪቡ’ዩ።

ኣቐዲማ’ውን እታ ሃገር ምስ ኡጋንዳ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ጅቡቲን ኬንያን ተመሳሳሊ ርክባት ከምዘካየደት ይዝከር።

========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0