ጂቡቲ፣ ወደብ ታጁራ ንኢትዮጵይ ከምዘይትህባ ኣፍሊጣ

RADIO ERENA – Tuesday, 17 September 2024

ጂቡቲ፣ ንወደብ ታጁራ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምምሕዳሩ ደኣምበር፣ ጠቕሊላ ከምዘይትህባ ኣነጺራ።

ጂቡቲ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን፣ ብጉዳይ ቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነደ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፣ ተኸሲቱ ንዘሎ ወጥሪ ከህድእ ይኽእልዩ ካብ ዝበለቶ እማመ ሓደ፣ ኢትዮጵያ ንወደብ ታጁራ ከተመሓድሮ ክትፈቕደላ ዝብል ዩ።

ብኣንጻሩ ግን፣ ጂቡቲ ንኢትዮጵያ ወደብ ክትህባያ ዝብል ወረ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ክጋዋሕዩ ቀንዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፣ ማሕመድ ዓሊ ዮሱፍ፣ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ጂቡቲ ንወደ ታጁራ ንኢትዮጵያ ከምዘይትህብ ብምርግጋጽ፣ ብሓባር ንምምሕዳሩ ግና ክትዝቲ ከምእትኽእል ኣነጺሩ።

ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 90% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ኣብ ጂቡቲ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፣ ኣብ ምጽዓንን ምርጋፍን ደረቐ ነገራትን ኮንተትነራትን ድማ ብዝያዳ ኣብ ወደብ ታጁራ ዝተሓጽረዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0