ጂቡቲ፣ ንሰደድ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ዝዓለመ ፍሉይ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ክትህብ እማመ ኣቕሪባ

RADIO ERENA – Monday, 23 September 2024

ጂቡቲ፣ ንሰደድ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ዝዓለመ፣ ፍሉይ ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ከተዳሉ ከምእትኽእል፣ ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን እማመ ኣቕሪባ።

ነቲ ብመንግስቲ ጂቡቲ ዝቐረበ እማመ ሒዙ፣ ብ20 መስከረም ናብ ከተማ ጁባ ዝኣተወ ሚኒስተር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፣ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲትን ደቡብ ሱዳናዊ መዘንኡ፣ ራማዳን መሓመድ ጎክን ተራኺቡ፣ ኣብ ተኽእሎታቱ ተመያይጡ።

ንእተፍርዮ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንምልኣኽን ዘድልንያ ነገራት ንምእታውን ንፖርት ሱዳንን ወደብ ላሙ ናይ ኬንያን እትጥቐም ደቡብ ሱዳን፣ ብጸጥታኡ ውሕሱ ዝኾነ ካልእ ኣማራጺታት ኣገልግሎት ወደብ ኣብ ምንዳይያ ትርከብ።

90% ናይ ወደብ ኣገልግሎታታ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ጂቡቲ ብወገና፣ ናብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ንምስፋሕን፣ ማእከል ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምዃንንያ ትሕልን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምርጫ፣ ብሰንኪ ህሉዉ ኩነታት ጸጥታ እታ ሃገርን ጎረባብታን፣ ብክልተ ዓመታት ተናዊሑ።

ኣብ 2011፣ ካብ ሱዳን ተፈልያ ናጻ ሃገር ዝኾነት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብዚ 13 ዓመታት፣ ሃገራዊ ምርጫ ከተሰጋገር እዚ ንኻልኣይ እዋናዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0