ጂቡቲ፣ ልዕሊ 45 ስደተኛታት ጥሒሎም ሞይቶም

RADIO ERENA – Thursday, 03 October 2024

ብድምር ልዕሊ 300 ስደተኛታት ጽዒነን ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ንዝተበገሳ ክልተ ጀላቡ ዝመርሑ ዝነበሩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋግርቲ፣ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ማእከል ባሕሪ ክወርዱ ስለዘገድድዎም፣ ልዕሊ 45 ካብኣቶም ጥሒሎም ሞይቶም።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ምስ ትካላት ህይወት ኣድሕን ብምዃን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ስርሒት፣ ዛጊት ልዕሊ 90 ሰባት ብህይወት ክርከቡ ክኢሎም ኣለዉ።

እታ ሓንቲ ኣስታት 210 እታ ካልኣይቲ ድማ ልዕሊ 100 ስደተኛታት ጽዒነን ምንባረን ዝሓበረ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት፣ ዝበዝሑ ካብቶም ዝጠሓሉ ክሳብ እዚ ሰዓት እዚ ክርከቡ ከምዘይክኣሉ ገሊጾም።

እተን ጃላቡ፣ ካብ ገምግም ባሕሪ ጂቡቲ ተበጊሰን፣ 150 ሜትሮ ጥራይ ምስ ተጓዕዛየን እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብሃንደበት እናሃረሙን እናከላበቱን ክወርዱ ኣገዲዶሞም።

እቶም ብህይወት ክድሕኑ ዝኸኣሉ መብዛሕቶም እናሓንበሱ ከምዝጸንሑዩ ተመልኪቱ።

እቶም ስደተኛታት ዝወረድሉ ክሊ ማይ፣ ካብ መሬት ርሑቕ እኳ እንተዘይነበረ፣ መብዛሕቶም ሓንቢሶም ዘይክእሉ ምስ ምዃኖም ግዳያት ምጥሓልን ሞትን ከምዝኾኑዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቶም ነተን ክልተ ጀላቡ ዝመርሑ ዝነበሩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ፣ ነቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ተሰቒሎም ናብ የመን ዝተበገሱ 310 ስደተኛታት፣ 150 ሜትሮ ጥራይ ምስ ተጓዓዙ ብሃንደበት ክወርዱ ዘገድድዎም ምኽንያት ኣይተነጸረን።

ኣብቲ ብ02 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ምጥሓል ስደተኛታት፣ ብዙሓት ቆልዑን ደቂንስትዮን ከምዝነበርዎምዩ ተመልኪቱ።

መብዛሕቶም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተበግሱ እኳ እንተኾኑ፣ ዜግነቶም ኣይተጠቕሰን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0