RADIO ERENA – Monday, 30 September 2024
ደሃይ ብምጥፍኡ፣ ብጹኑዕ ሓሚሙ ክኸውን ይኽእል‘ዩ እናተባህለ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ብሰንበት 29 መስከረም፣ ካብ መገሻ ከምዝተመልሰ ተሓቢሩ።
እቲ ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት፣ ኣብ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ይኹን ኣብ ካልእ ጉዳያት፣ ካብ ህዝቢ ብምኽዋሉ፣ ብጽኑዕ ሓሚሙ፣ ኣብ ሆስፒታል ይእለ ከምዘሎ‘ዩ ክውረየሉ ጸኒሑ።
እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ናይ ውልቁ መገሻ ከምዝነበረን ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰን ቤ ጽሕፈቱ ብስእሊ ብምስናይ ኣቕሪቡ።
ኩሉ‘ቲ ብዛዕባ‘ቲ ፕረዚደንት ዝተወርየ ሓሶት‘ዩ ዝበለ ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር፣ ኤልያስ ሙሳ ድዋለ ብወገኑ፣ ናይ ብርኪ ቃንዛ እንተዘይኮይኑ፣ ካልእ ናይ ጥዕና ጸገም ከምዘይብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኤክስ ለጢፉ።
ሚኒስተር ድዋለ ብተወሳኺ፣ ‘ፕረዚደንት ገለ፣ ከም ኩልና ሰብ ስለዝኾነ ክሓምም ይኽእል‘ዩ፣ ግና እቲ ክውረ ዝቐነየ፣ ሕማቕ ናይ ዝምነዩ ሰባትን ጸላእትን‘ዩ‘ ክብል ነቒፉ።
ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ናይ ውልቁ መገሻ ከምዝቐነየ እኳ ቤት ጽሕፈቱ እንተጠቕሰ፣ ዝርዝር ኣየቕረበን።
ስድራቤት ፕረዚደንት ገለ፣ ኣብ ፓሪስን ካልእ ከተማታትን ፈረንሳ፣ ብዙሓት ህንጻታት ከምዝውንኑ‘ዩ ዝግለጽ።
ካብ 1999 ኣትሒዙ፣ መንበር ካብ ኣኩኡ ዝተረከበ ፕረዚደንት ገለ፣ ን25 ዓመታት ንጂቡቲ እኳ እንመርሓ፣ ከም መብዛሕትኦም መለኽቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ስልጣን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ናይ ምስግጋረ መደብ ከምዘይብሉ‘ዩ ዝንቀፍ።
=======================
COMMENTS