ጂቡቲን ፈረንሳን፣ ዝነበረን ወትሃደራዊ ውዕል ከሓድሳ ተሰማሚዐን

RADIO ERENA – Monday, 29 July 2024

ጂቡቲን ፈረንሳን፣ ንክልተ ዓመታት ክዛተያሉ ዝጸንሓ ምሕዳስ ወትሃደራዊ ውዕል፣ ፕረዚደንታት ክልቲኤን ሃገራት ብዘንበርዎ ክታም ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ተበጺሑ።

ኣብ ፓሪስ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ብዘይካ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ፣ ኣብ ካልእ ጽላታት ዘሎ ምትሕግጋዝ ክልቲኤን ሃገራት ዝዓበይሉ ነጥብታት ውን ተመያይጦም።

ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ 1977 ብዝኣተውኦ ወትሃደራዊ ውዕል መሰረት፣ ፈረንሳ ኣብታ ግዛታ ዝንበረት ጂቡቲ ቀዋሚ ወትሃድራዊ መዓስከር ክህልዋን፣ ነታ ሃገር ድማ ኣብ ጸጥታን ምክልኻልን ክትተሓጋገዛን ዝብል ይርከቦ።

ኣብ ርእሲዚ፣ ፈረንሳ፣ ኣምሳያ ናይቲ ብመልክዕ ክራይ ወኒናቶ ዘላ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ንጂቡቲ ዓመታዊ መጠኑ ዘይተሓበረ ገንዘብያ ትኸፍላ።

ነቲ ን47 ዓመታት ዝቕጸለ ወትሃደራዊ ውዕል ንምሕዳስ፣ ጂቡቲ ተወሳኺ ገንዘብ ክትሓትት ምጽንሓውን ይጥቀስ።

ፈረንሳ፣ ኣብ ጂቡቲ ልዕሊ 1500 ብዝሒ ወትሃደራት ዝሓቖፈ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ያ ትውንን።

እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋንዚ፣ ኣመሪካ፣ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ጂቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከራት ምስ ምኽፋተን፣ ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ዝነበራ ጽልዋን ረብሓታትን ከይትስእንያ ክትሰግእ ጸኒሓ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ጂቡቲ ኣስታት 5 ሽሕ ውትሃደራት ከተዋፍር እንከላ፣ ቻይና ድማ ልዕሊ 500 ወትሃደራት ዘጣመረ መዓስከር ኣለዋ።

ቻይና፣ ነቲ ኣብ ጂቡቲ ዘለዋ መዓስከር ንምዕባይዩ መንግስቲ ጂቡቲ ኣብ ምዝርራብ ከምዘላውን ይግለጽዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0