ጀነራል ኣል ቡርሃንል፣ ብድሮን ካብ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ድሒኑ

RADIO ERENA – Wednesday, 31 July 2024

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሱዳንን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊቲን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ብድሮን ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ከምዝደሓነ ተሓቢሩ።

እቲ ጀነራል፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ገቢት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ሎሚ ረቡዕ 31 ሓምለ፣ ሓደሽቲ ተዓላሞ ወትሃደራት ንምምራቕ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት፣ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ’ዩ እቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

ተዓላሞን መኮንናትን ዝርከብዎም ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ እቲ ጅነራል ግና ብዘይዝኾነ ጉዳኣት ከምዝደሓነ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሱ።

ነቲ ንናይ ምምራቕ ስነ ስርዓት ዒላማ ዝገበራ ካልኦት ክልተ ድሮን፣ ብምክልኻል ሰራዊት ሱዳን ተሃሪመን ከምዝወደቓ ኣፈኛ ሰራዊት ኣረጋጊጹ።
==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0