ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኣብ ጎኒ ሱዳን ደው ንዝበላ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት የመስግን

RADIO ERENA – Tuesday, 15 April 2025

ድሕሪ ናይ ኣስመራ ዑደቱ፣ ብ12 ሚያዝያ ናብ ቱርኪ ዘምርሐ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ጎኒ ጎኒመድረክ ዲፕሎማሲዝተሰምየ ዋዕላ ኣናታልያ፣ ምስ ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶዋን ብምርኻብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ንምትሕግጋዝ ኣብ ዘሎ ተኽእሎታት ዘትዩ።

ነቲ ብጀነራል ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ከም እትድግፍ ዝንገርላ ቱርኪ፣ ድሮናት ካልእ ተተኳሲ ኣጽዋራን ናብ ሱዳን ከተዋፍር ምጽንሓዩ ዝንገረላ።

ካርቱም ካብ ዳዕም ሰሪዕ ሓራ ድሕሪ ምዃና ፈለማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ድሓር ድማ ናብ ኤርትራ ዑደት ዘካየደ ኣል ቡርሃን፣ ሕጂ ድማ ናብ ቱርኪ ምምርሑ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ሓድሕድ ኣብ ጎኑ ንዝተሰለፋ ሃገራት ናይ ምምስጋን ተበግሶ ከምዝወሰደዩ ዝንግረሉ።

ቱርኪ፣ ኣብ ዳግመ ሕውየት ሱዳን ክትሳተፍ ምዃና ገሊጻ ኣላ።

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ከተማ ካርቱም ካብ ሓይልታት ዳዕም ሰሪዕ ምሉእ ብምሉእ ሓራ ድሕሪ ምዃና፣ ብ28 መጋቢት፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምምራሕ፣ ምስ ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ድሕሪ ከምዝዘተየ ይዝከር።

ድሕሪ ክልተ ቅነ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዑደቱ፣ ብሓሙስ 10 ሚያዝያ ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ወትሃደራውያን ጸጥታውን ጉዳያት ሱዳን ተመያይጡ።

ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን፣ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ክድግፋ እንከለዋ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ብኣንጻሩ ነቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ዳዕም ሰሪዕ ወይ ፈጣን ሓይልታት ከምእትድግፍ ይግለጽ።

ኤርትራ፣ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ካብ ዝርከቡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ጉጅለታት ዝተዋጽኡ ኣባላት ሰራዊትን ሚሊሻታትን ብምስልጣን እባ ጎኒ ጀነራል ኣልቡርሃን ከተሰልፍ ጸኒሓያ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ፣ ቀጠር ብወገና ኣብጎኒ ቤት ምኽሪ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ብምዃን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት መደባት እታ ሃገር ክትሳተፍ ከምእትደሊ ኣረጋጊጻ።

ቀጠር ነዚ ዘረጋገጸት፣ ብሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ፣ ማርያም ቢንት ዓሊ ቢን ናስር ኣል ሚስናድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ እታ ሃገር ናብ ፖርት ሱዳን ብምብጻሕ ምስ ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋንዩ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን ቅድሚ ናብ ኣስመራ ምምርሑ፣ ብሓሙስ 10 ሚያዝያ፣ ኣብ ሰዕታት ናይ ንግሆ፣ ምስታ ቀጠራዊት ሚኒስተር ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ቀጠር ኣብ እዋን ውግእ ኣብ ጎኒ ሱዳን ደው ምባላ ኣመስጊኑ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0