RADIO ERENA – Tuesday, 07 January 2025
ብዓመጽ 56 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓለነስተይቲን ካልእ ልዕሊ 10 ገበናትን ተኸሲሱ፡ ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ናብ ኤርትራ ንምስጓጉ ዝተኻየደ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ተሓቢሩ።
እቲ ኣብ ደሰው ኦስሎው ኣብ ዝተባህለት ከተማ ጀርመን፡ ንሽዱሽተ ዓመታት ተአሲሩ ዝጸንሐ፡ ዮናስ ዝተባህለ ወዲ 27ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ 2017፡ ምስ ካልኦት ክልተ ብምዃን፡ ብጉጅለ ንሓንቲ ጓለነስተይቲ ብምዕማጽ‘ ዩ ተኸሲሱ።
ንሱ፡ ነታ 56 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓለነስተይቲ፡ ብዝተሰብረ ናይ ቢራ ጠርሙዝ ብምፍርራሕ፡ ብጉጅለ ከምዝዓመጽዋ‘ዩ ኣብ መዝገብ ቤት ፍርዲ ሰፊሩ ዘሎ።
ኣብ 2024፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ማእሰርቲ ምውጽኡ ‘ውን እንተኾነ፡ ካብ ሱፐርማርኬትን ኣብያተ ሸቐጣትን፡ ናይ ኤሌክትሮኒስ ኣቑን፡ መስተን ካልእ ንብረትን ንምዝማት፡ ብኻራሩ ንሰራሐተኛታት ከምዘፈራረሐ እቲ መዝገብ የመልክት።
መንእሰይ ዮናስ፡ ኣብ ርእሲ‘ሲ ባእስን ግርግርን ምስ ፖሊስ ዝኣመሰለ ተወሳኺ ገበናት‘ውን ተሰኒዱሉ ኣሎ።
ንሱ፡ ተደጋጋሚ ገበናት ብምፍጻም ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፡ ናብ ሃገሩ ኤርትራ ክስጎግ ውሳኔ እኳ እንተተዋህቦ፡ ግብራዊ ክኸውን ግን ኣይከኣለን።
ንዮናስ ናብ ኤርትራ ንምስጋጉ ብውሕዱ ሰለስተ ግዜ ፈተነታት ከምዝተኻየደ ዝሕብራ መርበባት ዜና ካብታ ከተማ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ናብ ዓዱ ክኣቱ ፍቓድ ስለዘይሃቦ ከምዘይተኻእለ ይጠቕሳ።
እተን መርበባ ኣብ መወዳእታ፡ ዝኾነ ዝስጎግ ኤርትራዊ ናብ ኤርትራ መእተዊ ሰነደ ከይረኸበ፡ ብግዴታ ናብታ ሃገር ከተብጽሖ ከምዘይክኣል ብምዝኽኻር፡ ዮናስ ተደጋጋሚ ገበናት እናፈጸመ ኣብ ጀርመን ይነብር ምህላዉ፡ መንግስቲ ጀርመን ንዝኽተሎ ዘሎ መስርሕ ነቒፈን።
=============
COMMENTS