ድኹም ኣገልግሎት ኢንተርነት ኤርትራ፣ ምስ ቢንያም ግርማይ ንዝግበር ናይ ልምምድ ርክባት ዕንቅፋት ይፈጥረሎም ምህላዉ ኣሰልጣኒኡ ሓቢሩ

Radio Erena: 22 June 2023

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ድኹም ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ስሩዕ ልምምድ ኣብ ምክያድ ዕንቅፋት ይፈጥረሎም ከም ዘሎ ውልቃዊ ኣሰልጣኒ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ተዛሪቡ።

ተቕዳዳማይ ብሽክለታ ነበር፣ ወዲ 43 ዓመት፣ ሉዋኒስ ታሞሪስ፣ ብ18ሰነ፣ ምስ ጋዜጣ ቬለር ረቩዩ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ቢንያም፣ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣስታት 2400 ሜትሮ ብራኸ ኣብ ዝተደኮነት ከተማ ኣስመራ ስለዝቕመጥ፣ ንናይ ብራኸ ልምምዳቱ ምቹእ ምዃኑ’ዩ ጠቒሱ።

እቲ ኣሰልጣኒ፣ ቀጺሉ ድሕነትን ምቹእነትን ናይ ልምምድ ጽርግያ ከምኡ ድማ ዓይነት ዝረኽቦ ባህርያዊ መግብታት፣ ኣብ ቁመንኡ ብልጫ ከምዘለዎ ኣብሪሁ።

እንተኾነ፡ ኣብ ኤራትር ዘሎ ድኹም ኣገልግሎት ኢንተርነት፣ ኣብ ስርሖም እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ኤርትራ ዝግበር ምድላው ዝያዳ ጻዕሪ`ዩ ዝሓተኒ ዝበለ እቲ ኣሰልጣኒ፡ ወላኳ ብቕዓት ናይ ቢንያም ልክዕ ከም ካልኦት ተቐዳደምቲ ብቴክኖሎጂ ዝልክዕዎ እንተኾኑ፣ ኣብ መንበሪ ቤቱ ኢንተርነት ስለ ዘይብሉ፣ ናይ ልምምድ ውጥናት ንምልኣኽን ንምቕባልን፣ ቢንያም ከምዝጽገም ኣነጺሩ።

ኣብ ነብስወከፍ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልታት፡ ናብ ኢንተርነት ካፌ እናተመላለሰ፡ ሰሌዳ ሞባይሉ ብምስኣል ወይ ማይክሮሶፍት ኤክሰል ብምጥቃም ኢና ስራሕና ነካይድ ዝበለ እቲ ኣሰልጣኒ፣ ስለዚ ድማ ቢንያም ንገለ መዓልታት ካብ ኢንተርነት ወጽዩ ልምምዱ ክቕጽል ይግደድ ምህላዉ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዙር ስዊስ ተጸሚዱ፣ ዓበይቲ ዓወታት ክጎናጸፍ ዝቐነየ ቢንያም፣ ዓርቢ 23 ሰነን ሰንበት 25 ሰነን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ክሳተፍ ትጽቢት ይግበረሉ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0