RADIO ERENA – Tuesday, 12 November 2024
ናይ ኤርትራን ሽወደንን ዜግነት ዘለዎ፣ ኣብ ኤርትራ ን23 ዓመታት ተኣሲሩ ዝርከብ፣ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፣ ናይ 2024 ስልማት ሰብኣዊ መሰላት ሽወደን ተዓዊቱ።
ዳዊት ኢሳቕ፣ ሚኒስተራትን ካልኦት ጸለውቲ ሰባትን ዝርከብዎም፣ ነቲ ስልማት ዝተሓጽዩ ኣስታት 20 ሰባት መሪሑ‘ዩ ተዓዋቱ ብምዃኑ ተሓርዩ።
መንግስቲ ሽወደን፣ ነዚ ድርብ ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ፣ ካብ ማእሰርቲ ንኽወጽእ ወይ ናብ ፍርዲ ክቐርብ፣ ሒዝዎ ንዘሎ ናይ ወጻኢ ፖሊስን ምስ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ርክባትን ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ይነቕፉ።
እቲ ኤደልስታም እናተባህለ ዝጽዋዕ ስልማት፣ ስርዓት ፒኖቸ፣ ኣብ 1973 ኣብ ቺለ ዕልዋ ኣብ ዝገበረሉ፣ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብታ ሃገር ንዝነበረ ሃራልድ ኤደልስታም ንምዝካር ዝተዋህበ‘ዩ።
እቲ ኣምባሳደር፣ ኣብ እዋን እቲ ወትሃደራዊ ዕልዋ፣ ካብቲ ጨፍጫፍ ንዝሃደሙ ኣሽሓት ዜጋታት ቺለ፣ ናብ ውሑስ ቦታን ሽወደንን ብምግዓዝ ከድሕን ብምኽኣሉ‘ዩ ዝፍለጥ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ብዘይሕጋዊ መድርሕ ዝቐየዶም ልዕሊ 11 ጋዜጠኛታት፣ ናብ ፍርዲ ከየቕረበ፣ ሃለዋቶም ኣጥፊኡዎም ከምዝሎ ይፍለጥ።
======================
COMMENTS