ደቡብ ኣፍሪቃ፣ እስራኤል ኣብ ደቡባዊት ከተማ ጋዛ ራፋሕ ትገብሮ ዘላ መጥቃዕትታት ደው ከተብሎ ጸዊዓ

RADIO ERENA – Friday, 17 May 2024

ደቡብ ኣፍሪቃ፣ እስራኤል ኣብ ደቡባዊት ከተማ ጋዛ ራፋሕ ከምኡ ውን ብሓፈሻ ኣብ ጋዛ እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎን መርመርትን ጋዜጠኛታትን ናብቲ ቦታ ክኣትዉ ክትፈቅድ ብህጹጽ ትእዛዝ ክህብ፣ ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ሓቲታ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ፣ ጠበቓታት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዳያኑ ነቲ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ህጹጽ ትእዛዝ ንኽህቡ ዝጠልብ ሕቶ ኣቕሪቦም።

ልዕሊ 35 ሽሕ ሰባት ዝቐተለን መብዛሕትኡ ክፋል ጋዛ ናብ ፍርስራስ ዝቐየረን ኲናት ብዘስዕቦ ኩነታት ዝተመዛበሉ ወገናት ንምሕጋዝ መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ ሓገዛትን ንምብጻሕ ፍጹም ተኹሲ ደው ምባል ከምዘድሊ ውን ብተወሳኺ ይምጉቱ።

ክኢላ ሕጊ ፕሮፌሰር ቫውጋን ሎው ኬሲ “እቲ ቤት ፍርዲ ሕጂ ስጉምቲ እንተዘይወሲዱ፣ እቶም ካብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ጋዛ ዝደሓኑ፣ ክጸንቱ ይኽእሉ እዮም“ ክብል ተዛሪቡ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ብተወሳኺ ንክፍጸሙ ዝኽእሉ ገበናት ኲናት መርትዖታት ንምእካብን ንምዕቃብን ሪፖርተራትን መርመርቲ ገበናት ኲናትን ናብ ጋዛ ክ ኣትዉ ጠለብ ኣቕሪባ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መልሲ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ “ኣብ ዘየተኣማምኑ ምንጭታት ሓማስ ዝምርኮስ፣ ወገናውን ሓሶትን ኣበሃህላታት ተቕርብ” ከምዘላ ብምግላጽ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ይግባይ ክነጽጎ ጸዊዑ።

እቲ ሚኒስተር ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “እስራኤል ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕግን ሰብኣዊ ግዴታታትን ትሰርሕ ከምዘላን ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ሲቪላትን ሲቪላዊ መሳለጥያታትን ዝበጽሕ ጉድኣት ንምንካይ ዝሕግዙ ስጉምትታት ተተግብር ከም ዘላ ገሊጹ።

ብቀዳም 7 ጥቅምቲ 2023 ንግሆ ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዝመደበሩ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ብመሬት፣ ባሕርን ሰማይን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ዝስዓበ መጥቃዕቲ እስራኤል ካብ ዝጅምር ልዕሊ 100 ኣብ ጋዛ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም።

እዚ ናይ ትማሊ ሓሙስ 16 ግንቦት መስርሕ ፍርዲ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ “ዘይጽገን ጉድኣት” ዝበለቶ ኩነታት ጋዛ ንምክልኻል ሓድሽ ግዝያዊ ትእዛዛት ድሕሪ ምሕታታ’ዩ፣ እቲ ቤት ፍርዲ ንእስራኤል ኣብ ጋዛ ብጃምላዊ ቅትለት ዝተኸሰሰቶ ጉዳይ ሰሚዑ።

ዳያኑ ኣብቲ ጉዳይ ናብ ውሳኔ ክበጽሑ ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣብ ወርሒ ጥሪ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ግዝያዊ ፍርዲ፣ ህዝቢ ፍልስጤም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዓሌት ከም ዘሎ ገሊጹ ኔሩ።

ትማሊ ሓሙስ ወከልቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቶም እስራኤል ዘይተኸተለቶም ውሳኔታት ብተደጋጋሚ ኣዘኻኺሮም።

ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ውሳኔታት ከተግብር ዘይምኽኣሉ ድማ ነቒፎም።

ገበን ምጽናት ዓሌት ብመሰረት ኣብ 1948 ኣብ ዝተገብረ ውዕል ምክልኻልን መቕጻዕትን ገበን ምጽናት ዓሌት ሕቡራት ሃገራት ተዘርዚሩ`ሎ።

ገለ ካብቶም ምጽናት ዓሌት ወይ GENOCIDE ተፈጺሙ ተባሂሎም ዝምዝገቡ ገበናት ድማ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት የጠቓልል፣ ንሓደ ብሄር ወይ ዓሌት ኮነ ኢልካ፣ ብኸፊል ይኹን ብሙሉእ ንምጥፋእ ዝዓለመ ተግባራት፤ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ምቕታል፤ ኣብ ኣባላት እቲ ጉጅለ ከቢድ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ምብጻሕ፤ ንሓደ ጉጅለ ኣካላዊ ዕንወት ንምምጻእ ዘኽእል ሃዋሁው ምፍጣር፤ ብሙሉእ ይኹን ብኸፊል ሕርሲ ንምክልኻል ዝሕግዙ ስጉምትታት ምውሳድን ቆልዑ ብሓይሊ ምጭዋይን ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎ።

ስእሊ ፥ ካብ ኢንተርነት

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0