ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ኣምባሳደራ ስሒባ

ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ኣምባሳደራ ስሒባ

Radio Erena: 08 February 2018

kirrደቡብ ሱዳን ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ኣምባሳደራ ከምዝሰሓበት ተሓቢሩ።

እታ ሃገር ኣምባሳደራ ክትስሕብ ዝወሰነት፣ ምምሕዳር ትራምፕ ብ2 ለካቲት ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ናይ ኣጽዋር መሸጣ እገዳ ድሕሪ ምንባሩ’ያ።

ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ታባን ደንግ ጋይ ኣብ ሃቦ መግለጺ፣ ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ እናተቓረበ እንከሎ፣ ኣመሪካ ዘይተሓስበ እገዳ ምንባራ ንተበግሶ ሰለማዊ ፍታሕ ዝዓናቕፍ’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከም መርኣያ ተቓውምኡ ኣብ ዋሽንግተን ንዝነበረ ኣምባሳደሩ ከምዝሰሓበ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ይኹን’ምበር ኣፈኛ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ምዋዮን ማኮል ኣሪክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣምባሳደር ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንምምኽካር ናብ ጁባ ከምዝተጸውዐ’ዩ ዝሕብር።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣጽዋር መሸጣ እገዳ ዘንበረ፣ ኩሎም ወገናት እታ ሃገር ንዘተ ሰላም ቅሩባት ኣይኮኑን ብዝብል ምኽንያት’ዩ።

=============================== 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0