ደቡብ ሱዳን፣ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት፡ ሪየክ ማቻር ተኣሲሩ

RADIO ERENA – Thursday, 27 March 2025

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ንቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንትን መራሒ ተቓዋሚ ሓይሊን፣ ሪየክ ማቻር ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ ተሓቢሩ።

ብድሩዓት መካይን ዝመጹ ኣባላት ደቡብ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፣ ብረቡዕ 26 መጋቢት፡ ንኣባላት ሓለዋ ሪየክ ማቻር ዕጥቖም ብምፍታሕ፣ ናብ መንበሪ ገዝኡ ኣትዮም ከምዝቐየድዎዩ ኣፈኛ ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ተቓዋሚ ሓይሊ ኣመልኪቱ።

ሪየክ ማቻር፣ ኣብዚ እዋንዚ ኣበይ ከምዘሎ ብልክዕ እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ኣብ መንበሪ ቤቱ ኣብ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝርከብ መርበባት ዜና ይጠቕሳ።

ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሪየክ ማቻር፣ ዕልዋ ከየካይድ ብዝብል ስግኣት፣ ካብ 05መጋቢት፣ ኣብ መንበሪ ቤቱ ብሓይልታት ጸጥታ ተኸቢቡ ዩ ጸኒሑ።

ሓይልታት ጸጥታ ደቡብ ሱዳን፣ ምስቲ ምክትል ፕረዚደንት ቅርበት ንዘለዎም፣ ሚኒስተር ነዳዲ እታ ሃገር ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ኣብቲ ዕለት እቲ፣ ኣብ ቀይዲ ከምዝእተውዎም ይዝከር።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፣ ኣብ ዞባ ላዕላይ ናይል፣ ናሲር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ዕጡቓት መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕታት ብሪየክ ማቻር ተደጊፎምዮም ብዝብል ክሲዩ።

እቲ መንግስቲ፣ ንቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንትን መራሒ ውሽጣዊ ተቓውሞ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ወይ SPLM-IOን፣ ሪየክ ማሻር ኣብ ማሕዩር ብምሓዝን ንሓያሎ ደገፍቱ ሰበ ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምቕያዱን፣ ነቲ ኣብ 2018 ዝተኸተሰም ስምምዕ ሰላም እታ ሃገር ከፍርስ ይኽእልዩ።

ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ተፈልያ፣ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ነዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ተዛማዲ ሰላም እኳ እንተጸንሐት፣ ኣብዚ እዋንዚ ናብ ዳግማይ ኵናት ከይትሽመም ይስጋእ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0